ኣብ 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ንስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ልዕሊ ትሽዓተ ሚሊዮን ዶላር ብፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንዲፒ) ተበጂቱ።

ብሓገዝ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንዲፒ) ኣብ ዳግመ ህንፀት ዝተሰርሑ መደባት ዝግምግም መድረኽ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

ኣብቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ኢንጂነር ቴድሮስ ገብረእግዚኣብሄር ዝተረኸብሉ ገምጋም ብሄራዊ ኮሚቴ ፣ ሚኒስተራት ፣ኣምባሳደራት ጀርመንን ጃፓንን ኣብ ኢትዮጵያ፣ላዕለዎት ተወከልቲ መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ (ዩኤንዲፒ) ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ግደ ዘለዎም ኣካላትን ከምዝተረኸቡ እቲ ሓበሬታ የመላኽት።

ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ከምዝሓበሮ ኣብ 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ንስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ልዕሊ ትሽዓተ ሚሊዮን ዶላር ብፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንዲፒ) ተበጂቱ።

ኣብ ትግራይ ብኲናት ኩለመዳያዊ ዕንወት ከምዝበፅሐ ብምግላፅ ፣ ትግራይ ነዚ ንምህናፅ ሰፊሕ ደገፍ ከምትደሊን እቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ውስን ከምዝኾነን ሓቢሩ።

ስለዚ’ውን ተወሳኺ በጀት ንምርካብ ናይ ፋይናንስ ሓገዝ ንምእካብ ጎስጓስ ክካየድ ከምዘለዎ ኣመላኺቱ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፤
ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንዲፒ) ኣብ ህንፀት ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ይገብሮ ንዘሎ ሓገዝ ዘለዎ ናእዳ እውን ገለፁ።

ብተመሳሳሊ እቲ ቤት ፅሕፈት ንሃገራት ጀርመን፣ ጃፓን፣ ኔዘርላንድን ማሕበረሰብ ዓለምን ይፍፅምዎ ንዘለው ስራሕ ብምምስጋን፤ እቲ ን2025 ዓመተ ፈረንጂ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ትሑት ምዃኑ ገሊፁ።

ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንዲፒ) ብሰንኪ ኲናት ዕንወት ኣብ ዝበፅሐን ክልላት ኣብ ህንፀት ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ይፍለጥ ክብል ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
23 ለካቲት 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons