ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ (ROAD-W) 54 በዓል 3 እግሪ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ሓጊዙ።
ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኵናት ትግራይ (ROAD-W) 54 በዓል 3 እግሪ ኤሌክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ኲናት ተጋደልቲ ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ ፣ነቲ ሰናይ ተግባር ዝሰርሑ ዘለው ለገስቲ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ብምምስጋን ፣ኣካሎም ጎዲሎም ኣብዚ ዘብፅሑና ጀጋኑ ኣብ ልምዓት እውን ተሳተፍቲ ክኾኑ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ፈፃሚ ዳይሬክተር ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ ፣እቲ ትካል ኣብ ሕክምና ጉድኣት ኲናት ትግራይ፣ኣብ ሓገዝ ሞተራትን ስድራ ስውኣትን ትኹረት ገይሩ ይነጥፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ዛጊድ ድማ ብልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ልዕሊ 1300 ሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ፤ ብልዕሊ 24 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ሓርበኛታትን ስድራ ሓርበኛታትን ክሕገዙ ዝሰርሐ እንትኾን 83 ሞተር ሳይክል እውን ብሓገዝ ከምዘበርከተ ገሊፆም።
ኣካቢ ቦርድ እቲ ትካል ጀነራል ገረዝጊሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ጉድኣትና ዓቕሚ ብዝፈቀዶ እናሓገዝና ክንቅፅል ኢና ብምባል ፤ብምትሕግጋዝ ጉድኣትና ፀገማቶም ምፍታሕ ይከኣል እዩ ኢሎም።
ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ኲናት ትግራይ ካብ ካምፕታት ወፅዮም ውልቃዊ ህይዎቶም ክመርሑ ኩሉ ዝኸኣሎ ክሕግዝ እቶም ጀነራል ፀዊዖም።
ብዙሓት ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ኲናት ትግራይ ሓገዝ ይጠልቡ ኣለው ዝበሉ ጀነራል ገረዝጊሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ንዞም ሓርበኛታት ዝግበር ስራሕ ኣካል ሕውየት ትግራይ ኮይኑ ብመንግስታውን ውልቀን ትካላት ክስረሐሉ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ትግራይ ጀነራል ዘዉዱ ኪሮስ ብወገነን ፣ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎዉ ትካላት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ብምስራሕ ፀገማት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ኣብ ምሕጋዝ ግደኦም ክዋፅኡ ፀዊዐን ክብል ኣብ ድረ ገፅ ቴሌቬዥን ትግራይ ዝረኸብናዮ ዜና ኣመላኺቱ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
24 ለካቲት 2017 ዓ.ም
መቐለ

