ኹሉ ዓይነት ዕማም ብሓባር ምስራሕ እናተኽኣለ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝብትንን ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘፍርስን ስራሕቲ ይውገኑ ከምዘለው ፕረዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ትግራይ ስልጣን ንዝደሊ ጉጅለ መሳርሒ ክኸውን ኣይግባእን፣ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ ሐዚ ሰራዊት ትግራይ ዝሰርሖ ዘሎ ተግባር ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘፍርስን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ስግኣት ዘእትውን ተግባር ብምኻኑ ካብ ተግባሮም ከቕጠቡ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሰራዊት ንመንግስቲ ክቕይር ኣይኽእልን። መንግስቲ ብስርዓትን ሕግን ጥራሕ እዩ ክቕየር ዘለዎ። ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ተግባር ግና አመራርሓ ወረዳን ጣብያን ብግዲ መሃተም ኣረክቡ እናበልኻ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ናብ ተግባር ተኣትዩ እዩ። እዚ ተግባር ድማ ሰራዊት ትግራይ ካብ ሓላፍነቱ ወፃኢ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ ብምህላዉ ክብርታት ሰራዊት ትግራይ ዘጥፍእ ተግባር ምካኑ ኣይተ ጌታቸው ኣገንዚቦም።

ጊዝያዊ ምምዳር ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶርይ ንምፍፃም ዝለዓለ ሓላፍነት ሒዙ እናሰርሐ እናሃለወ ነዚ ንምትዕንቓፍን ፀገም ተመዛበልቲ ወገናት ንምግዳድን ብትኹረት ዝሰርሑ ወገናት ብምህላዎም ነዚኦም ኣደብ ግበሩ ከበሃሉ ከም ዝግባእ ኣይተ ጌታቸው ኣተሓሳሲቦም።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ
1/7/2017 ዓ/ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons