ቅዱስ ኪዳነምህረት ኣብያተ ክርስትያን ከተማ መቐለ ተካይዱ።
ንመበል 136 ዓመት ዝኽሪ መሰዋእቲ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዩውሃንስ ራብዓይ ኣብ ኣውደ ምህረት ደብረገነት መድሃኔኣለም ቅዱስ ኪዳነምህረት ኣብያተ ክርስትያን ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።
ኣብቲ ደብረ ገነት ሰበካ ጉባኤ ዕለተ መስዋእቲ ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዩውሃንስ ራብዓይ ምኽንያት ብምግባር ማህሌት ከምዝተካየደ ተገሊፁ እዩ።
ቅርስታት ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዩውሃንስ ራብዓይ ወርቂ ከበሮ፣ ዘውዲ ኣክሊል ብሩር፣ ብሩር መስቀል፣ ወርቂ ፅዋዕ ፣ ወርቂ ወንጌል ፡ መሶብ ወርቅ ፡ ጥንታዊ ብራናን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቅርስታትን ንዋየ ቅዱሳን ንምርኢት ቀሪቡ እዩ።
ኣብቲ ክብረ በዓል ምክትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ወ/ሮ ዘነቡ፣ ሃይማኖት መራሕትን ኣመንቲ እምነት ክርስትናን ተረኺቦም እዮም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ
02 መጋቢት 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons