እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ካብ ኮር ንላዕሊ ብዝብል ጉልባብ ካብ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም ጀሚሩ ዝተወሰኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ናይ ሓደ ፀቢብ ጉጅለ ናይ ስልጣን ፃምእ ንምርዋይ ክብሉ ቅሉዕ ዕልዋ መንግስቲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ምፅንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን እውን ብተመሳሳሊ ብኣዘዝቲ ግንባራት ሰሜን ምብራቕን ደቡብን ዝምራሕ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብዝኸፍአ መንገዲ ተጋዲዱ ይቕፅል ኣሎ። ነዚ ሓደገኛ መንገዲ ኣደብ ንምትሓዝን ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ጠጠው ንምባልን 26 ለካቲት 2017ዓ.ም ንዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ዝተፅሓፈ ትእዛዝ እንተሃለወ እውን እቲ ናይ ጥፍኣት ተግባር ግን ብዝኸፍአ ብርኪ ቐፂሉ ስዓታት ናብ ምቑፃር ተሰጋጊሮም ኣለዉ።
እቲ ኩነታት ስለዘይተዓረየ ኣዘዝቲ ግንባራት ብመንግስቲ እንትእገዱ ድማ ቢሮ ፀጥታ ክመርሕ ዝተቐመጠ ኣካል ኣብ ክንዲ ንስርዓትን ሕግን ዝጣበቕ ንገበነኛታት ወጊኑ መግለፂ ክሳብ ምውፃእ ከይዱ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ እውን ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ተገይሩ እዩ።
ይኹን እምበር ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሲቪላት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ይቕፅል ኣሎ። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባራት ብዝኸፍአ ብርኩ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ናይቲ ድሑር ጉጅለ ድልየት ንምምላእ ክብሉ መንግስቲ ክፈርስን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዕሊ ክጠሓስን ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ፅነተት የእትውዎ ኣለው።
ዘዝቐደመ ስሕተት ኣብ ክንዲ ዝእርሙ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ከዓ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር እናሃደኑ ይዕፍኑን ይኣስሩን ኣለዉ። እዚ ድማ ነቲ ብሽም ማሕተም ዝገብርዎ ዝነበሩ መንግስቲ ናይ ምፍራስ ምንቅስቓስ በዝለዓለ ብርኪ ዘጠናኽር እዩ። እዚ ድሑርን ገበነኛን ጉጅለ ዕድል እንተረኺቡ ምዕፋንን ምእሳርን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕዙ ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፉ ካብ ምሃብ እውን ከቑጠቡ ከምዘይክእሉ ምርዳእ የድሊ።
እቲ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እቲ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ግዝያዊ ምምሕዳር ንክወፅእን ከም ህዝቢ ባዕልና ንባዕልና ንክንዋዳእን ዝገብር ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘይቅቡል ተግባር እዩ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፤ መንእሰይ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ድማ ብፍላይ ነዚ ኩነታት ብልቢ ተረዲእኻ ከባቢኻ ባዕልካ ክትሕሉን ኣንፃር እዞም ብዓጋም ጠሓስ ዝኸዱ ዘለዉ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ግንባራት ክትስለፍን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ። መንእሰይ ትግራይ ነቲ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ዘንፀላሊ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ብዝተወደበ መንገዲ ከባቢኻ ክትሕሉ ይግባእ። ሰራዊት ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ናይ ጥፍኣት ትእዛዝ ብፅንዓት ክትነፅጎን በዚ ኣቢልካ ድማ ህዝብኻ ካብቲ ኣብ ቅድሜኡ ተገቲሩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ክተድሕንን ኣለካ።
መንግስቲ ፌዴራል እውን እቶም ብሽም ሓይልታት ፀጥታ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣካላት ናይ ሓደ ድሑርን ገበነኛን ጉጅለ ተለኣአኽቲ እምበር ንህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ከምዘይውክሉ ተረዲኡ ኣድላይ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ። ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብከምዚ መንገዲ እንትፈረስን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ጥፍኣት እንትኣቱን ሱቕ ኢሉ ክርኢ ኣይግባእን።
ማሕበረሰብ ዓለም እውን ብተመሳሳሊ እዚ ጉጅለን ሓሻኽሩነረ ገበናቶም ንምከልኻል ክብሉ ውዕሊ ፕሪቶሪያ የፍርሱ ስለዘለዉ ኣብ ልዕሊኦም ኣድላይ ዘበለ ፅዕንቶ ከዕርፍ ንፅውዕ።
እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ህዝቢ ትግራይ ክወፅኦ ናብ ዘይክእል ካልእ ዙር ፅንተት ከምዝኣቱ መላእ ህዝብና ክግንዘቦ ይግባእ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
03 መጋቢት 2017ዓ.ም
መቐለ
 
 
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons