ሓሰኻ በለስ ኮችኔል ፣ኣብ 13 ጣብያታት ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ብምስፍሕፍሑ ቁጠባዊ ሃሰያ እናብፀሐ ከም ዝርከብ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ኣፍሊጡ ።
ከም መብርሂ ምክትል ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ኣይተ ተስፋይ ሓጎስ ፣ ኣብታ ወረዳ ኣብ ናይ ሓባርን ውልቀን ልዕሊ 4 ሽሕ ሄክታር ብበለስ ዝተሸፈነ እንትኾውን ካብዚ ኣብ ጣብያታት ምጉላት፣ ሓድነት ፣ ኣዘባ ፣ ፃዕዳት ሓምሎ ፣ ደብረ ኣባይ፣መርጋሕያን ካልኦትን ኣብ ዓሰርተ ሰለስተ ጣብያታት እቲ ወረዳ፣ ልዕሊ 13 ሄክታር በለስ ብሓሰኻ ኮችኔል ከም ዝተጠቐዐ ገሊፆም ።
ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ዝገለፁ እዞም ምክትል ሓላፊ ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት እታ ወረዳ ነፀጋ ኬሚካል፣ምቁራፅ፣ምቅፃልን ምቅባርን እናተሳለጠ ከም ዝርከብን እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከም ዝስረሐሉን ኣብሪሆም ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሕድሕድ ሓረስታይ ኣብ ባዕሉን ኣብ ሓባርን ዝርከብ በለስ መዓልታዊ ፈተሸ ብምክያድ እቲ ሓሰኻ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ብምሃብን ምስ ከባቢ ሕብረተሰብ ብምውዳድ ብእዋኑ ብምቑራፅን ምቅፃልን ክቅበር ብምግባር ክንሰርሐሉ ይግባእ ክብሉ ኣይተ ተስፋይ ገሊፆም ።
ቁጠባዊ ሃሰያ እናብፀሐ ዝርከብ ሓሰኻ በለስ ኮችኔል ንምክልኻል መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ፣ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ደገፍ ክገብረሎም ነበርቲ እታ ወረዳ ከም ዝሓበሩ ካብ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ዝረኸብናዮ ዜና ኣመላኺቱ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
30 መጋቢት 2017 ዓ.ም
መቐለ