ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ንዝሃብኩምኒ ድጋፍን ንዘርአኹምኩኒ ክብርን ልዑል ናእዳ’ለኒ ክብሉ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፕረዝደንትነት ንትግራይ ዘገልገሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ንዝተኻየደ ርኽኽብ ስልጣን ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ
” ናይ ክልተ ዓመት ሓላፍነት ጊዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ ብዕሊ ኣረኪበ’ለኹ ። ” ዝበሉ ኮይኑ ” ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ንዝሃብኩምኒ ድጋፍን ንዘርአኹምኩኒ ክብርን ልዑል ናእዳ’ለኒ” ኢሎም ።
 
ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነብር ህዝብና ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኩነታት ክፍጠር ፡ ህዝቢ ትግራይ ንምግልጋልን ኩለመዳያዊ ባህግታቱ ክሰምሩን ዝክኣለኒ ኹሉ ክገብር’የ ፡ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ” ናይ ሰላምን ናይ ለውጢን ድሌት ከይኹለፉ ቃልስና ነሐይል ” ክብሉ ፃውዒቶ ኣቕሪቦም ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
30 መጋቢት 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons