እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ኣምሓራ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽንን ሎሚ 08 ሚያዝያ “የተከዜ ትውልድ የተከዜ ዘብነቱን በተግባር ማሳየት ይጠበቅበታል” ዝብል ርእሲ ተጠቒሞም ኣብ ዘቃልሕዎ ዛዕባ ሑመራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሮም ብምቕራብ ብቅሉዕ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ዝተመልኦን ንውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፃባእን ተንኳባይ ዜና ሒዞም ወፂኦም ኣለዉ።

እዚ ተግባር ተራ ነገር ዘይኮነስ ኮነ ተባሂሉ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሮም ናይ ዝሓለፈ ከይኣክል ብተደጋጋሚ ቀፂሎምሉ ኣለዉ። እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ እውን ብቐጥታ ዝፃባእን ተቐባልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ።
ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ኣምሓራ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽንን ብተደጋጋሚ ካብ ዘቕርብዎም ሓላፍነት ዝጎደሎም ናይ ኽልታኡ ክልል ህዝብታት ንዘመናት ሓቢርኻ ናይ ምንባር ስኒት ዝሽርሽርን ብቀጥታ ንኻሊእ ጎንፂ ዝዕድምን ተንኳዋይ ፀብፃብ ዜና ብህፁፅ ክእርሞን ኣብ ልዕሊ ነዚ ዜና ዘዳለዉን ነዚ መደብ ዘመቻቸዉን ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን እናሓበርና መንግስቲ ፌዴሪኢ እውን ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ዝፍፅሙ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ንክወስደሎም ንፅውዕ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
08 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons