ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ፕረዚደንት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ

ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ኣብፀሐካ ብምባል ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣውርሕ ዝስርሑ ዕማማት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕላዊ ገይሮም።

እቶም ፐረዚደንት ሓዱሽ ካቢኔኦም ኣብ ዋዜማ እቲ በዓል ኣብ ዘላለይሉ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ንምፍታሕ ትግራይ ናይ ሓባርና ጌርና ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ድማ ነበር ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋን መኸተ ይኹን ኣብ መሪሕነት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝፈፀምዎ መስተንክራዊ ተጋድሎ ክምስገኑ ይግባእ ኢሎም ።

ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ፃንሒቱ ስላም ፣ምርግጋፅ ፍትሒ፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ዳግመ ህንፀት ትግራይ፣ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት፣ንማሕበራዊ ልምዓት ትምህርቲ፣ጥዕናን ካልኦት ዓውድታት ትኹረት ክግበር እዪ ኢሎም ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
11 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons