8ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስ ይኹን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምውሓስ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝስራሕ ፕረዚደንት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌች፣ ሎሚ ሚያዝያ 15/2017 ዓ/ም ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብፍላይ ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ ምምላስ ዝተመዛበሉ ወገናት፣ ምጅማር ፖለቲካዊ ዘተ ከምኡ ድማ ተሚሩ ዘሎ ናይ ምምላስን እግሪ ምትካልን ሰራዊት ትግራይ ኣመልኪቶም ዘተ ኣካይዶም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝሃብዎ መብርሂ፣ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከቢድ ህይወት ክደፍኡ ዝተገደዱ ተመዛበልቲ ወገናት ናይ ምምላስ ጉዳይ ቁልፊ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ ብምሕባር ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምምኽኻር ከምዝስራሕን ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ንምምላስ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃቦ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ንምፍታሕ ብሄራዊ ዋዕላታት ብምክያድ ካብቶም መድረኻት ብዝርከቡ ሓሳባትን ኣብ ፅንዓት ብምምስራትን ብቐፃልነት ከምዝስራሕ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ኣምባሳዶር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዊች ብወገኖም ንፕረዚደንት ታደሰ ዕዉት ናይ ስራሕ ግዜ ክኾነሎም ሰናይ ትምኒቶም ድሕሪ ምግላፅ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጠናኺሩ ብሙሉእ ዓቕሙ ንኽሰርሕ፣ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትልሚ ተታሒዝሉ ዘሎ ህዝባዊ መደባት ኣብ ምጥንኻር፣ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝግበሩ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ምንቅስቃስ ንኽሰምር ሃገሮም ዓባይ ብሪታንያ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ከምትገብር ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ
15 ሚያዚያ 2017 ዓ/ም
መቐለ