ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ዕማማት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምትግባር ሓፂር ትልሚ ኣዳልዩ ምስ ሰራሕተኛታት ዘትዩ።
ህዝቢ ፅፁይ ሓበሬታ ንክረክብ፣ ሰላምን ድሕንነትን ንክረጋገፅ፣ ሰናይ ምሕደራ ክህሉን ዕማም ጊዚያዊ ምምሕዳር ንምትግባር ሓፂር ትልሚ ሰለስተ ወርሒ (100) መዓልቲ ቀሪቡ ተዘትዩሉ እዩ።
ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮ ሞያ መሰረት ዝገበረ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምትግባርን ኣብ ትግራይ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ንምርግጋፅን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምጥንኻርን ትኹረት ብምግባር ከምዝሰርሕ እቲ ቢሮ ምስ ሰራሕተኛታቱ ብሰፊሑ ተመያዪጡ።
ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቢሮታት ዳግም እንተጣይሽ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ዝነበረ ናብ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ከም ዝተቀየረ ዝዝከር እዩ ።
ብተመሳሳሊ ግቡእን መሰልን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 314 ግልፅነት ክህሉ ንምግባር ተወሳኺ ስልጠና ተዋሂቡ እዩ።
ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ
17 ሚያዚያ 2017 ዓ/ም
መቐለ