እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡን ብሄራዊ ረብሕኡን ንምርግጋፅ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናካየደ ምዃኑ ይፍለጥ። ቁልፊ ሕቶኡን ጠለቡን ‘ውን ውዕል ፕሪቶሪያ እንከይተሸራረፈ ክትግበርን ካብ ናይ ኲናት ስግኣት ተናጊፉ ረብሕኡን መሰሉን ክሕለወሉን እዩ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን መሰረታዊ ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ ትግራይ ንምምላስን ሰላሙን ድሕንነቱን ብዘተኣማምን ውሑስ ንምግባርን፣ ሰምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈጠረሉ ዕድል ብዘየናስሕ ደረጃ ፀንቂቑ ብምጥቃም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብ ምንቅስቃስ ይርከብ።

በዚ መሰረትውን ምስ ፌዴራል መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስዝኾነ ሓይሊ ኣፈላላያትና ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ዝካኣል ኩሉ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ እዩ።

ይኹን እምበር ካብዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ መትከልን እምነትን ወፃእ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘይፈልጦ፣ ዝተሓንገጦ ዕላማን ስትራተጂን ስልትን ዘይፍለጥ ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ርክባት ምግባር ኣይትኽክልን ጥራሕ እንተይኮነስ መንግስቲ ኣልባ ኮይንና ፋሉልነት ክነግስ ትግራይ ሓደ ማእኸል ከይህልዋ ዝገብር ሓደገኛ ተግባር እዩ። ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
30 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons