ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝሰላሰሉ ዘለው ናይ ልምዓት ስራሕቲ ዑደት የካይዱ ኣለው።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብተሳትፎ ህዝቢ ዝካየዱ ዘለው ተስፋ ዝህቡ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ሎሚ 02 ጉንበት 2017 ዓ.ም ንምዕዛን ዕዶት የካይዱ ኣለው።

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ዝካየድ ዘሎ ዑደት ብዋናነት ብማሕበር ተወዲቦም ብናይ ባዕልቶም፣ መንግስትን ካብ ገበርቲ ሰናይ ብዝረኸብዎ ሓገዝን ዝተሃነፁ ናይ መስኖ ማይ ተዘዋዊሮም ዝተመልከቱ እንትኾን፣ እቶም ማሕበራት ዘለዎም ከም ትራክተር፣ ምሩፅ ዘርእን መዳበሪያን ዝበሉ ሕፅረት ኣቕርቦት መንግስቲ ከማልአሎም ሓቲቶም።

መንግስቲ መዳበሪያ ይኹን ምሩፅ ዘርኢ ኣቕርቦት ብዝከኣል ዓቕሚ ብልቃሕ ንምቕራብ ከምዝስራሕ ብዝምልከቶም ኣካላት ተሓቢሩ ክብል ኣብ ድረ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

02 ጉንበት 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons