ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 08 ግንቦት 2017 ዓ/ም ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ኣብ ቕትለት ንእስቲ ዘዉዱ ሃፍቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝወዓለ መጋበአያ፣ እቲ ከይዲ ስርዓት ዳይነት ብሓይሊ ተረብሹ ክቋረፅ ተገይሩ እዩ።

ሎሚ ግንቦት 12/2017 ዓ/ም ድማ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለን ናይ ሽውዓቲአን ክፍላተ ከተማን ኣብያተ ፍርዲ ተፈጢሩ ብዘሎ ስግኣት ምኽንያት፣ መፍትሒ ክሳዕ ዝግበረሉ ግልጋሎት ዳይነት ጠጠው ከምዘበላ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ዝሃወኸን ኣብ ውሽጢ ቤ/ፍርዲ ዝተፈጸመ ናይ ዕስለ ተግባር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፍትሕን ስርዓት ዳይነትን ትግራይ ዝተፈፀመ ቅሉዕ ጥቕዓት እዩ።

እዚ ከዓ ሕግን ስርዓትን ዘናሹ፣ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ዝተሸመመትን ጉልበተኛ ዝዕንድረላ ትግራይ ክትህሉ ዝድርኽ ሓደገኛ ተግባር እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ዘጋጠመ ጥፍኣትን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ዳይነት ዘንፀላለወ ሓደጋን ብዘላቕነት ንምፍታሕን ፣ ሰብ ሞያ ፍትሕን ዳይነትን ውሕስነኦም ተሓልዩ ስርሖም ብኣግባብ ክፍፅሙ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣርን ኩሉ ዘድሊ ከምዝገብር እናረጋገፀ፤ ነዚ ብ08 ግንቦት 2017 ዓ/ም ዘጋጠመ ኹነታት ፈጠርቲ ኣፃርዩ ናብ ሕጊ ዘቕርብ ኾይኑ፤ ናይቲ ምፅራይ ውጽኢትን ውሳነን ተፈፃምነቱ ልዑል ትኹረት ሂቡ ከምዝከታተሎን ውፅኢቱ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብርን የፍልጥ ክብል ኣብ ድረ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
12 ግንቦት 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons