ቀዳምነት ዝወሃቦ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ነዚ ዝበሉ ሎሚ 13 ግንቦት 2017 ዓ/ም ኣብ መንበሪ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ተረኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቶም ኣብ ዘካይድዎ ዘተ እዩ።።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝሃብዎ መብርሂ፣ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ንምግላፁ ዝድንፁ ህይወት ክደፍኡ ዝተገደዱ ተመዛበልቲ ወገናትና ናይ ምምላስ ጉዳይን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ናይ ምርግጋፅን ጉዳይ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ውራይ ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ መሰረታዊ ጠለብና ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዘሎ ዕንቅፋት ቀሊል ከምዘይኮነ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ኩሎም ጠለባት ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ንምምላስ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓውሱ እቲ ውዕል ክኽተም እጃም ዝነበሮም ኩሎም ኣካላት ኣወንታዊ ኣበርክትኦም ክቕፅልሉ ኣተሓሳስቦም።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብወገኖም፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ክፍፅምን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሓንገጦም ዕማማት ብዕውት ኣገባብ ክፍፅምን መንግስቶም ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ክግበሩ ዝግብኦም ጉዳያት ዓሚቕ ዘተ ዘካየዱ ኮይኖም፣ ኣብ ኩሎም ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበፅሑ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝደንት ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ
13 ጉንበት 2017 ዓ/ም
መቐለ