ተመዛበልቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ዞባ ምዕራብን መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ግንቦት ”20 ጉንበት ንዋሕስ ሉኣላውነትና ” ብዝብል ኣብ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ብዘተ ይኽበር ኣሎ።
ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ወልደኣብራሃ ገ/ፃዲቅ በዓል 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ከም ዝበሉዎ መንፈስ ተዓዋታይነትና 20 ጉንበት መሰረት ብምግባር ማእኸልና ምምላስ ተመዛበልትናን ምርግጋፅ ሉኣላውነትና ብዝላዓለ ርብርብ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ።
ከንቲባ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ኣይተ ገ/መድህን የውሃንስ ብግዲኦም ከም ዝበሉዎ ዘለናሉ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ተኣናፊ ብምዃኑ ብውሕሉል መንገዲ ትግራይ ማእኸል ብምግባር ሰላም፣ ክብርታት ትግራይ ምሕላው ከምዘድሊ ገሊፆም።
ተሳተፍቲ ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ሕጂ ውን ኣብ ሉኣላውነት ምርግጋፅ መሬት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልትን ብትኹረት ንኽስራሕ ከምዘመላኸቱ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ሸረ እንዳሰለሰ ገሊፁ።
ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ
18 ጉንበት 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons