” ዙርያ መለሽ ፀገማት ብዘላቒ ንምፍታሕ ምስ ፌደራል መንግስቲ ፖለቲካዊ ልዝብ ንምግባር ክንሓትት ኢና”

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ኣመልኪቶም ብምክትል ዳይሬክተር ቢሮ ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሚስተር ቱርባን ሳሌሕ ምስዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ሎሚ 19 ሰነ 2017 ዓም ኣብ ፅሕፈት ቤቶም ምይይጥ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ይኹን ዙርያ መለሽ ውሕስና ትግራይ ብዘተኣማምን ብርኪ ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝሓትት ገሊፆም።

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብመሰረቱ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ፅንተታዊ ኲናት ደው ንኽብልን ብዘላቒነት ድማ ነባሪ ሰላም ንምርግጋፅ ዝተኸተመ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፤ እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ልኣላውነት ትግራይን ዓብይ ክፍተት ከምዘሎ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ምስንባት፣ እግሪ ምትካልን ዳግም ናብ ሕብረተሰብ ምፅንባርን ሰራዊት ትግራይ ዘሎ ክፍተት እንተብርሁ እቶም ዝሰናበቱ ዘለው ዛጊድ ናብ ሕብረተሰቦም ዳግማይ ንኽሕወሱ ዝሕግዝ ገንዘብ እምበር፣ መትከሊ እግሪ ገንዘብ ከምዘይረኸቡ ኣብሪሆም። ኣብዚ ዓብይ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ድማ ዝተሰናበቱ ተጋደልቲ እግሪ መትከሊ ሓገዝ ምሃብ እንትኾን እዙይ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ክፍፅሞ ከምዝግባእ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ገሊፆም።

ናብ ኲናት ዳግማይ ንኣትወሉ ምኽንያት የለን ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፣ ተመዛበልቲ ንምምላስን ከምኡ ድማ ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ዘሎ ግዝኣት ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብቐፃልነት ተቐራሪብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ከምዝበልዎ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶር) ኣብ ቀፃሊ ተራኺቦም ኣብዘን ኣጀንዳታት ብቐዳምነት ሂቦም ከምዝዝትዩ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ዝሃቦ ካብ ፖለቲካ ፓርቲነት ናይ ምስራዝ ብይንን እቲ ውድብ ድማ ፈራሚ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ምዃኑ ተዛሚዱ ፀገም ንኸይፍጠር ብቐረባ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብፖለቲካዊ ልዝብ ንኽፍታሕ ምስራሕ ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም።

ብምክትል ዳይሬክተር ቢሮ ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሚስተር ቱርሃን ሳሌሕ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ብወገኑ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብፍላይ ድማ እግሪ ምትካል ዝተሰናበቱ ሰራዊት ትግራይን ሕውየት ትግራይ ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ፕሮጄክትታት ብምሕንፃፅ ከምዝሰርሑ ገሊፆም። ብተዛማዲ ነፃ ትምህርቲ ዕድልን ሓፀርቲ ስልጠናታትን ብምምችቻው፣ ዝተሰናበቱ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዓርሶም ንምኽኣል ከምዝሕግዙ እውን ወሲኾም ገሊፆም ክብል ኣብ ድረ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ትግራይ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
19 ሰነ 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons