“ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ናይ ባዕለን ተራ ክፃወታ ይግባእ።” ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ

ዓመታዊ ፎረም መንግስትን ሲቪክ ማሕበራትን ትግራይ ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓም ኣብ ከተማ መቐለ እናተሳለጠ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ናይ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ከኣበርክቶ ክገብሩ ከምዝግባእ ገሊፆም። ይኹን እምበር ብሓገዝ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዓብይ ለውጢ ክመፅእ እዩ ምባል ኣይከኣልን ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ትግራይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምብዛሐን ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፣ እዚ ናይ ባዕሉ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ናይዘን ትካላት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣብ ዝግበኦ ቀዳምነት ብምሃብ ፍትሓውነት ብዘረጋግፅ መልክዕ ሓገዘን ክባፅሓ ሓቲቶም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታድርሰ ወረደ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ሓገዝ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ከምዘለዎ ኮይኑ ብዋናነት ግና ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ክንክእል ይግባእ ኢሎም።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን
26 ሰነ 2017 ዓም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons