ግብሪ ምኽፋል መግለፂ ስልጡን ማሕበረሰብ ክኸዉን ይግባእ ተባሂሉ።
“ግብሪ ንሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ብዝብል 1 ሓምለ 2017 ዓ/ም ንዝጅመር ምኽፋል ግብሪ ምኽንያት ብምግባር ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ከይዲ ስራሕ መዘጋጃቤታዊ እቶት ከተማ መቐለን ብሓባር ብምኳን ዘሎ ቅድመ ድልዉነት ኣመልኺቶም ሎሚ 28 ሰነ 2017 ዓ/ም ንሚድያታት መግለፂ ሂቦም ኣለዉ።
ሎምዘበን ዝእኸብ ግብሪ ብኣንፃር ትግራይ ምድሓን መሰረት ብምግባር ኣብ ግልፅነት፣ ፍትሓዉነትን ምትእምማን ዝተመስረተ ግብሪ ንምእኻብ ዘድሊ ቅድመ ምድላዉ ከምዝተወገነ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት እቶት ከተማ መቐለ ወ/ሮ ልእልቲ ፀጋይ ገሊፀን።
ከም ከተማ መቐለ 51 ሽሕን 404 ብርኺ ሀ፣ለ፣ሐን ክራይ መካረይትን ግብሪ ክከፍሉ ከም ዝተፀንዑ ዝገለፃ ወ/ሮ ልእልቲ ፀጋይ፣ ኣብዚ ዓመት 4 ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ዓምታዊ እቶት ንምእካብ መደብ ዝተትሓዘ እንትኸዉን ክሳብ ወርሒ ጉንበት 2017 ዓ/ም 3 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር ከምዝተኣከበ ገሊፀን።
ኣብዚ ክረምታዊ መደባት ማለት ድማ ካብ 1 ሓምለ 2017 ዓ/ም ክሳብ 30 ጥቕምቲ 2018 ዓ/ም ልዕሊ ፍርቒ ቢልዮን መንግስታዊ እቶት ንምእካብ መደብ ከም ዝተትሓዘ ወሲኸን ገሊፀን። እዚ መሰረት ብምግባር ምስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሰፋሕቲ ምርድዳኣትን መድረኻትን ምፍጣሮም፣ ነጋዳይ ማ/ሰብ ብዝሓሸ ንክግልገል ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ማእከል ግልጋሎት ዝህብሉ መስርሕ ከምዝተዘርገሐ ገሊፀን ኣለዋ። ብሓፈሻ ከም ቤት ፅሕፈት እቶት ዘድሊ ቅድመ ምድላዉ ከምዝተወገነን ማ/ሰብ ንግዲ ብእዋኑ ግብኡ ብምፍፃም ካብ ዝኾነ ይኹን ቅፅዓት ክናገፍ መልእኽተን ኣሕሊፈን።
መተሓባበሪ መዘጋጃቤታዊ እቶት ከተማ መቐለ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/የሱስ ብወገኖም ነባር ደንቢ 104/2011 ኣብ ኣተኣካክባ እቶት ሰፋሕቲ ፀገማት ይፈጥር ስለዝነበረ ብደንቢ 19/2017 ከም ዝተመሓየሸን ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ነባር ደንቢ ዘይተካተቱ ፍልፍል ኣታዊታት ብደንቢ 104/2011 ብምኽታት ዝወፀ መምርሒ 1/2016 ብምጥቃም መዘጋጃቤታዊ ፍልፍል ኣታዊታት እናተመሓየሸ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ብወገን ከይዲ ስራሕ መዘጋጃቤታዊ እቶት ከተማ መቐለ’ውን ፅንዓትን ምርድዳእን ማእኸል ዝገበረ እቶት ንምእኻብ ዘኽእል ቅድመ ምድላዉ ከምዝተወገነ ዝገለፁ ኣይተ ሙሉጌታ፣ ኣብዚ ክረምታዊ መደብ 2017/8 ዓ/ም 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ንምእካብ መደብ ከም ዝተትሓዘ ገሊፆም። ናይዚ ፍልፍል ኣታዊታት ድማ ካብ መዘጋጃቤታዊ ግብሪ፣ ካብ ክራይ ኣካራይ፣ ካብ መዋእለ ንዋይ፣ ካብ መዘጋጃቤታዊ ፍቃድ፣ ካብ መሸጣ ኣቁሑትን ግልጋሎትን፣ መረጋገፂ ዋንነት መሬት፣ ሕርዲ፣ቄራ፣ መፅዐንን መራገፍን፣ ካብ ስራሕቲ ምልላይን ካልኦትን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ንዓመታት ዉዙፍ ዕዳ ዘለዎም ኣካላት ዕድኦም ክኸፍሉን ናብ ልምዓት ዘይኣተዉ ከልምዑን ዘተሓሳሰቡ ኣይተ መሉጌታ፣ግብሪ ምኽፋል መግለፂ ስልጡን ማ/ሰብ ክኾዉን ስለዝግበኦ ማ/ሰብ ንግዲ ብእዋኑ ግቡኡ ክፍፅም ኣተሓሳሲቦም ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ፀብፂቡ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
28 ሰነ 2017 ዓ.ም
መቐለ

