“ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ብወገን ትግራይ ዝጅመር ኲናት የለን” ክብሉ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ 7 ሕጉም መበል 37 ዓመት ዝኽሪ ስማእታት ትግራይን ቅያ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋን ኣብ ዝተኸበረ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ህዝቢ ትግራይ ዳግመ ሕውየትን ሰላምን እምበር ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ብትግራይ ዝጅመር ኲናት ከምዘየለ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ካብ ደባይ ውግእ ናብ ስሩዕ ውግእ ንምሽግጋር ዝተወሰነ ምዃኑ ሓቢሮም። ብወፍሪ ኣሉላ ኣብ 7 ሕጉም ዝተረኸበ ዓወት ብምዕቃብ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ንምርግጋፅ ምስራሕ ከምዘድሊ እውን እቶም ፕረዚደንት ገሊፆም።

ብወገን ትግራይ ዝጅመር ኲናት ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ፕረጺደንት፤ ህዝቢ ትግራይ ረኺብዋ ዘሎ ናይ ሰላም ንፋስ ፀኒቂቑ ንኽጥቀመላ ፀዊዖም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ገሊፁ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
29 ሰነ 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons