“ሕዚ ዘሎ ስግኣት ኲናት ብሰለማዊ ዝርርብ ክፍታሕ ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም ተወከልቲ ሽማግለታት ፌደራል።

ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢ/ያ ዝመፁ ተወከልቲ ሽማግለታት ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበረሰብን ትግራይ ይዝትዩ ኣለዉ።

ኩላትና ንሰላም ክንሓብርን ክንዝምርን ይግባእ ፣ ካብ ሰላም እምበር ካብ ኲናት ዝተረበሐ የለን ዝበሉ እቶም ሽማግለታት ፤ ሕዚ ዘሎ ስግኣት ኲናት ብዘተን ዝርርብን ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

“መወትቲ ንሕና ቀተልቲ እውን ንሕና ስለዝኾንና ፤ ኲናት ደው ይበል ሰለማዊ ዘተ ይጀመር ኢልና ኢና ናብዚ መፂእና ” ኢሎም።

እቶም ካብ 12 ክልላትን 2 ምምሕዳራት ከተማን ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባ ገዳን ማሕበረሰብ ንግድን “ኩላትና ዘብዒ ሰላም ኮይንና ክንሰርሕ ኣለና” ክብሉ ተዛሪቦም።

“ናብዚ ኹሉ ህውከትን ኲናትን ዘብፀሐና ኣብ ሞንጎና ዝዓሰለ ምትህልላኽን ግጉይ ኣመለኻኽታ እዩ’ሞ ካብዚ ክንወፅ ኣለና” ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኲናት ይኣኽሎ ሰላም ድማ ይፈጠረሉ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሰላም እንተዘይሃልዩ ኩላትና የለናን ዝበሉ ካብ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ትግራይ ዝተወከሉ ኣባ ጥዑም በርሀ ፤ ኣፈላላይ ብዝርርብን ዘተን ምፍታሕ ስልጡንነት እዩ ኢሎም።

እቶም ዝመፅኡ ሽማግለታት ፤ ንተመዛበልቲ ወገናት ዝውዕል 30 ሚልዮን ብር ዝዋግኡ ሓገዝ ሒዞም ከምዝመፅኡ ገሊፆም።

ብወገን ትግራይ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ድማ ልዑል ክብሪ ኣለና ኢሎም ክብል ቴሌቭዥን ትግራይ ፀብፂቡ ኣሎ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
21 ሓምለ 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons