ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ድርቂ ንዝተጠቅዑ ነበርቲ ወረዳ ቆላ ተንቤን ኣስታት 1ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ዝግመት ምግባዊ ሓገዝ ገይሩ ።
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ድርቂ ንዝተጠቅዑ ነበርቲ ወረዳ ቆላ ተንቤን ጣቢያ ያቄር ኣስታት 1ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ዝግመት ምግባዊ ሓገዝ ገይሩ ።
ብሰንኪ ዘጋጠሞም ድርቂ ኣብ ፀገም ከም ዘለው ዝገለፁ ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ንዝተገበረሎም ሓገዝ ድማ ኣመስጊኖም ።
ኣማሓዳሪ ወረዳ ቆላ ተንቤን ኣይተ ባህረ ተወልደ መድህን ብንግዲ ባንኪ ኢ/ያ ዝተገበረ ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ሓደጋ ድርቂ ጣቢያ ያቄር ብዘላቕነት ንክፍታሕ ከም ወረዳ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ንክሳለጥ ፕሮጀክት ብምቕራፅ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብን ዝተሓሰበ ፕሮጀክት ናብ ተግባር ንክሽረፍ ድጋፍ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ንጠልብ ኢሎም፡፡
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓማዊሉ ካብ ምግልጋል ብተወሳኺ ዝተፀገሙ ወገናት ምሕጋዝ ዝብል ሰናይ ተበግሶ ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ዲስትሪክት መቐለ ኣይተ ኤልያስ ልሳነ ወርቅ ገሊፆም።
መቐፀልታ እዚ ድማ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ምስ ዘለው ወገናት ብገንዘብን ምግቢን ሓገዝ ከምዝገበሩ ሓቢሮም
ባንኪ ንግዲ ”መኣዲ ምክፋል ”ብዝብል ብሃገር ደረጃ ብዘዳለዎ ሰናይ ተበግሶ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መቐለ ድስትሪክት እውን ኣብ ወረዳ ቆላ ተንቤን ጣቢያ ያቄር ኣብ ፀገም ንዝርከቡ 300 ወገናት ነኒ ሕድሕዶም 25 ኪሎ ፊኖ ፣5 ሊትሮ ዘይትን 1300 ብርን ሓገዝ ከምዝተገበረ ምክትል ፕሬዝዳንት ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ሪጅን ሰሜን ኣይተ ሳሙኤል ተስፋሁነኝ ከምዝተዛረቡ ካብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
19 ነሓሰ 2017 ዓ/ም
መቐለ

