ንእዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፤
ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ 20 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ወዲቑ ዘሎ ህዝብናን ሕገ መንግስታዊ ልኡላዊ ግዝኣትናን ከምኡ እውን ተመዛቢሉን ተሰዲቱን ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ዝምልከት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ምስ’ዚ ተዛሚዱ ዝምዕብል ዘሎ ሓዱሽ ተርእዮ ዝምልከት መግለፂ ከውፅእ ተገዲዱ ኣሎ።
ከም ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ጀኖሳይድ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክዕገት ዘኽእል ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። እቲ ስምምዕ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከውሕስ፣ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ንምኽባር ዕድል ክፈጥር፣ ናብ ውሑስን ዘተኣማምንን ሰላም ክምልስ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሕጋውን ፖሎቲካዊ ልዝብን ዕልባት ክረኽቡ ዘኽእል መቓን ኮይኑ ከገልግል ዓብዪ ተስፋ ዝተገበረሉ እዩ።
ሰለስተ ዓመታት ኣቑፂሩ ዘሎ ስምምዕ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ኣቢሉ ኣብ ህዝብና ንዝበፅሐ ከቢድ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ዕንወት ንምሕዋይ ዝሕግዙ ተዓፅዮም ዝነበሩ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ካብ ምኽፋት ሓሊፉ፤ እቶም ንህልውናን ድሕንነትን ህዝብና ከምኡ እውን ሰላምን ሕገ መንግስታውነትን ዝምልከቱ መስረታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዛጊድ ኣይተነኽኡን። እንተኾነ ግና ህዝቢ ትግራይን ግዚያዊ ምምሕዳሩን ንተዃሳሕቲ ጉዳያት ብኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ብምሓዝ በቢ እዋኑ ንዝፍፀሙ ብዙሓት በደላት ተፀሚምና ብመሰረት እቲ ስምምዕ ውሑስ ሰላም ንኽረጋገፅ ኣብ ትፅቢት ንርከብ።
ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ከፈፅም፣ ሕገ መንግስታዊ ልኡላውነት ከረጋግፅ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደድን ህዝብና ከምልስ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ክሕሉ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ከረጋግፅን ናብ ስሩዕ ዝተመረፀ መንግስቲ ከሰጋግርን ብምሕሳብ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንጎኒ ብምግዳፍ ብጉልባብ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብዚ ቅንያት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ንሕገ መንግስትን ስምምዕ ፕሪቶሪያን ዝፃባእን ከባብያዊ ሰላም ንምርግጋፅ ዝተፈጠረ ተስፋ ናብ ሓደጋ ዘእቱን ብምዃኑ ፍፁም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ የፍልጥ። እቲ ቁልፊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይን ቀንዲ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝኾነ ኣጀንዳ ነዚኦም ኣግሊልካ ዝፍፀም ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።
ስለዝኾነ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ውሕስንኡን ልኡላውነቱን ተኸቢሩሉ ናብ መረበቱ ንኽምለስ ዘኽእል ትልምን ኣካይዳን ንኽህሉ ዘኽእል ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓበራዊ ርክብ ንኽግበር ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግልፂ ፃውዒት የቕርብ። ካብ ልዝብን ቅኑዕ ምርድዳእን ወፃእ ካልእ መማረፂ ዝኸፍኣ ጥፍኣትን ጉድኣትን ዘስዕብ ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ስለ’ዚ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና መሰሉ፣ ክብሩን ድሕንነቱን ተሓልዩ ናብ መረበቱ ክምለስ ካብ ምግባር ወፃእ ካልእ ሽርሒ ተቐባልነት ኣይብሉን። ሕብረት ኣፍሪካ፣ ዝምልከተኩም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ፀገምን ዘንፀላለወን ሓደጋን ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ፣ ዓለማውን ኣህጉራውን ሕግታት ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕ ሓላፍነትኩም ንኽትፍፅሙ ነተሓሳስብ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ጥቅምቲ 21/2018 ዓ/ም
መቐለ


