በዓል ኣኽሱም ፅዮን 2018 ዓ.ም ናብ ትግራይ ዝመፁ ድያስፖራን ወፃእተኛታትን 20 ሚኢታዊ ምንካይ ዋጋ በረራ ትኬት ከምዝተገበረ ተሓቢሩ ።
ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብግድኡ “ፌስቲቫል ሕዳር ፅዮን ንምዕቃብ ቅርስታትን ቱሪዝምን” ብዝብል መሪሕ ቃል በዓል ሕዳር ፅዮን መፅናዕታዊ ዋዕላ ከካይድ እዩ ።
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ምርድዳእ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ንዝመፁ ድያስፖራን ወፃእተኛታትን 20 ሚኢታዊ ምንካይ ዋጋ ገይሩ ።
ነቲ ምንካይ ዋጋ ከምዝተገበረ ዘረጋገፀ እቲ ቢሮ ፤ ንበዓል ኣኽሱም ፅዮን ናብ ትግራይ ዝመፁ ኣጋይሽ እዚ ዕድል ንክጥቀምሉ ፀዊዑ ።
ብኻልእ ዜና ዳይሬክቶሬት ምርምር፣ ሕትመት፣ ስነ-ምግባርን ዝርገሐን ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ምስ ኢንስቲትዩት ኣርኪዮሎጂን ቱሪዝምን ብምትሕብባር “ፌስቲቫል ሕዳር ፅዮን ንምዕቃብ ቅርስታትን ቱሪዝምን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ብዓል ሕዳር ፅዮን መፅናዕታዊ ዋዕላ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ ከም ፀብፃብ ድወት።
ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን: ንዕቀባ ሓድግን ሕውየት ቱሪዝምን ተመራመርቲ ምስቲ ዝተገልፀ ዝተኣሳሰር መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከቕርቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
22 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም
መቐለ

