እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ
 
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ (Hemirrhagic Fever) ሄሞራጂክ ፌቨር እንታይነቱ ንምፍላጥ ፃዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ ሕማም ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ 03 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ዝለኣኾ ህፁፅ ሓበሬታ እቲ ሕማም ከምዝተኸሰተ እቲ ዳህሳስ ኣመላኺቱ እዩ።
ክሳዕ ሕዚ ሸሞንተ ሰባት በቲ ሕማም ተጠርጢሮም፣
ብምትሕብባር ሚኒስትር ጥዕና፣ ኢንስቲትዩት ጥዕናን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልንን መንቀሊ እቲ ሕማም ንምፍላጥን ተወሳኺ ምልባዕ ንምዕጋትን ከይተስፋሕፈሐ ንምቁፅፃርን ህፁፅ መልሲ ወሃቢ ግብሪ ሓይሊ ናፍቲ ቦታ ብምልኣኽ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ገምጋምን ምርመራ ላብራቶሪን እናገበረ ከምዝርከብ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም መድረግቲ ኣካላትን ሚኒስተር ጥዕና ተወሳኺ መብርሂ ክሳዕ ዝህብ ክትግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት፣ ብኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ክፍሊ ኣካላትን ምፍሳስ ደም፣ ዋዒ፣ ተቕማጥን ተምላስን እንትረአ ብእዋኑ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድን ምርመራ ላብራቶሪ ምግባር።
ምልክት ኣብ ዝተርኣየሉ ዝኾነ ሰብ ዘይምንኽኻእን እንትነኽኡ ቅድሚ ምንካእ መከላኸሊ ሜላታት ምጥቃም።
ኩሉ ግዘ ኢድካ ብሳይኒታይዘር ወይ ብማይን ሳሙናን ተሓፂብካ ምፅራይ።
ዝኾነ ትካል ጥዕና ሕሙሟት ፍሉይ ትኹረት ብምግባር ናይ ቫይራል ሄሞሬጂክ ፌቨር(Viral Hemmoragic Fever) ዝመስል ሕማም ምፍላይ፣ ምምርማር፣ ምሕካምን ፀብፃብ ምልኣኽን ከምዘድሊ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
04 ሕዳር 2018 ዓ/ም
መቐለ
 
 

 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons