ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ሕፃፅ ኣብ መዕቆቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሕዚ ዘለውሉ ኩነታት ንምዕዛብን ብፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብቲ ቦታ ዳህሳስ የካየድ ኣሎ
እቶም ተመዛበልቲ ሕዚ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘለውን ድሌት ተመዛበልቲ እውን ናብ ትውልዲ ዓዶም ሓሪሶም ኣለሳሊሶም ዝምገቡላ ክምለሱ ብፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ዝምራሕ ጉጅለ ሕቶ ኣቅሪቦምሎም።
ተመዛበልቲ ሕዚ ዘለውሉ ሕሱም ኩነታት ዘቅረቡ ኮይኖም ምስ ቐረብ ምግቢ፣ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ቐረብ ሕክምና፣ መፅለሊ ህፃናት፣ ነብሰፁር ኣዴታት፣ ሽማግለታት፣ ካልኦትን ሓዊሱ ክፍተት ከምዘሎ ብምግላፅ ዘላቒ መፍትሒ ዝኸውን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰሪሖም ዓርሶም ዝኽእለሉ ኩነታት ንምፍጣር ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ህፁፅ ሓላፍነት ክወስዱ ከምዝግባእ እቶም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons