ኣብ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ከልምዕ ዝኽእል ዓቕሚ ከርሰ ምድሪ ማይ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ገሊፁ።
እዙይ ዝተገለፀ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉ ትግራይ ዘለውዋ ፀጋታት ማይ ብመፅናዕትን ብምርምርን ክስራሕ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እዩ።
ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝገለፅዎ፣ ኩሎም ስራሕቲ ብፅንዓትን ምርምርን ብምስራሕ፣ ኣማራፂታት ማይ ብምጥቃምን ነብ-ሰወከፍ ማሕበረሰብ ትግራይ ብኢኮኖሚ ዓርሱ ንምኽኣል ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝፈታተን እቲ ሓደ ድኽነት እዩ፣ እቲ መፍትሒ እውን ወሓዝቲ ሩባታን ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ማይን ብምጥቃም ኣብ ስራሕቲ መስኖ ምስራሕ የድሊ ኢሎም።
ሓረስታይ ትግራይ ናይ ክረምቲ ዝናብ ተጠቂሙ ዓመት ሙሉእ ምምጋብ ኣይከኣልን ዝበሉ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ማይን መሬትን፣ ማይን ኢነርጅን ብምርኻብ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምብራኽ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ፀጋታት ማይ ናብ ስራሕ ንምውዓል ደጋጊምካ ብምፅናዕ ኣብ ውፅኢታውነቱ ትኹረት ዝወሃቦ ክኸውን ይግባእ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ኣብ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ኩሎም ኣማራፂታት ምጥቃም ከምዝግባእ ገሊፆም።
ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህን ብወገኖም፣ ኣብ ትግራይ ዘይለምዕ መሬት ከይህሉ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ማይን ሰብን ብምርኻብ ዓርሰ ምርኮሳ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ገሊፆም።
ትግራይ ንባዕላ ኮይና ንኻሊእ ንምኳን ዝሰርሕ ርእሲ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ኣለዋ ዝበሉ ኣይተ ተኽላይ ዘይለምዕ መሬት ክህሉ ስለዘይብሉ ብፅንዓት መሰረት ናብ ፀጋ ንምቅያር ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።
ትግራይ ዘለውዋ ፀጋታት ብመፅናዕትን ብምርምርን ንምስራሕ ለውጢ ንምምፃእ ትግራይ ብኢነርጂ ከመይ ኢላ ውሕስቲ ትኸውን? ማይ ምስ መስኖ፣ መስተን ኢነርጅን ዝስረሐሉ ወቅቱ ሕዚ እዩ ኢሎም።
መዳርግቲ ኣካላት ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተሓጋጊዞም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣይተ ተኽላይ ኣተሓሳሲቦም።
ዕላማ እቲ መፅናዕቲ ብሃገራዊ ፖሊሲታት ዝተቓነየ ብበዓል ዋና ዝተረጋገፀን ስትራቴጂካዊ ትልሚ መስኖ፣ ምርግጋፅ ዝተመሓየሸ ውሕስና ምግቢ፣ ምጥንኻር ፍርያት ሕርሻን እቶት ስድራ-ቤትን፣ ምዕባይ ዝተጠናኸረ ትካላዊ ዓቕሚ፣ ምስ ለውጢ ኣየር ምልማድን ዘላቒ ምሕደራ ሃፍቲ ተፈጥሮን ንኩለመዳይ ዕብየት፣ ምጉዳል ድኽነትን ድሕሪ ግጭት ዝግበር ሕውየትን ዝተመቻቸወ ባይታን እዩ ኢሎም።
ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓት መስኖ ዝመርሕ፣ ውሕስና ምግቢ ዘጠናኽር፣ ንኩነታት ኣየር ዝፃወርን ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተን ስትራቴጂካዊ ትልሚ ዓውዲ መስኖ ምድላው እዩ ኢሎም።
ኣብ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ኣስታት 9 ቢልዮን ሜትሮ ኩብ (m^3) ከልምዕ ዝኽእል ዓቕሚ ከርሰ ምድሪ ማይከምዘሎ ኣብቲ መፅናዕቲ ቀሪቡ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ከምዝርከብን ካብ 325 ሽሕ ክሳብ 350 ሽሕ ሄክታር መሬት ክለምዕ ዝኽእል ዓቅሚ ምህላዉ እቲ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።
ኣብ ትግራይ መሬት፣ ሃፍቲ ማይን ሰብን ብምርኻብ ድኽነት ንምቅናስ ዝተዳለወ መፅናዕቲ ምኳኑ ተሓቢሩ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
03 ጥሪ 2018 ዓ/ም
መቐለ

