ውጉኣት ትግራይ ንምሕካም፣ ተመዛበልቲ ንምምላስን ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ከወፍን ክሕግዝን ፃውዒት ምትእኽኻብ እቶት 13 ጥሪ 2018 ዓ/ም ብሄራዊ መድረኽ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።
እቲ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጥ ኮይኑ በቲ ኮሚቴ ተዳልዩ ዘሎ ትልሚ ንምፍፃም ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዝነብር ትግረዋይን ፈተውቲ ትግራይን ክሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ እዩ።
ኣባል ዓብዪ ኮሚቴን መተሓባበሪት ምልዓልን ምውዳብን ሚዲያ ወ/ሮ ሸዊት ኣዲሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኩናት ዝበፅሐ ዕንወትን ሕዚ ትግራይ ገጢሙዋ ዘሎ ናይ በጀት ሕፅረት ንጉድኣት ኩናት ንምሕካም፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ንሕውየት ትግራይን ዕላማ ዝውዕል ምትእኽኻብ ሃፍቲ ከምዘድሊ ሓቢረን።
እቲ ብሄራዊ ፃውዒት ዝወፀ ደንቢ ፃውዒት ምትእኽኻብ እቶት ሕግን ስርዓትን ወፅዩሉ ኣብ መዓላኡ ንምውዓል ኣብ ህዝቢ ናይ ምትእምማን ስራሕቲ እናተሰርሐ ክኸይድ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ሸዊት ንዕውትነቱ ግደ ሚዲያታት ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፀን።
ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንጉድኣት ኩናት ንምሕካምን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ንሕውየት ትግራይን ዓቅሚ ሕፅረት በጀት ስለዘለዎ ኣብ ውሽጢ ዓድን ካብ ዓዲ ወፃእን ዘሎ ትግረዋይ፣ ፈተውቲ ትግራይን ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዐን።
መተሓባበሪ ንኡስ ኮሚቴ ምትእኽኻብ እቶት ትግራይ ኣይተ ገብረኣብዝጊ ወልደሱራፊኤል ብወገኖም፣ እቲ ምትእኽኻብ እቶት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ፣ ንጉድኣት ኩናት ንምሕካምን ንሕውየት ትግራይ ዝውዕል እዩ ኢሎም።
ኣብ እዋን ኩናት ትግራይን ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ኣይተ ገብረኣብዝጊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ሕፅረት በጀት ስለዘለዎ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ክርኢ ስለዘይኽእል ዓብይ ኮሚቴ ኣጣይሹ ካብ ደገን ውሽጥን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፣ ካብ ባንክታት ድማ ብሓገዝን ብልቓሕን እቶት ንምእካብ ፅባሕ 13 ጥሪ 2018 ዓ/ም መድረኽ ክካየድ እዩ ኢሎም።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
12 ጥሪ 2018 ዓ/ም
መቐለ

