ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ዓብዪ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ!
ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ናይ ፋይናንስ ፀገም ብምፍታሕ ንመሐከሚ ውጉኣት ሃርበኛታትን ተመዛበልቲ ወገናት ንምምላስን ካብ ዓብዪ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
እቲ ዝተጀመረ ወፍሪ ኣብ ትግራይን ተጋሩን ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ቁጠባ ንምፍታሕ ፣ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ንምጥንኻር ኮታስ ፅባሕ ፅንተታዊ ኲናት ንትግራይ ቆሪኑ ሒዝዋ ዘሎ ሕፅረት ፋይናንስ ብዘቤታዊ ምትሕብባር ፍታሕ ንምንዳይ ዝዓለመ እዩ።
ኣብቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተማእኺሉ ዝሳለጥ ዘሎ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ስለ ትግራይን ተጋሩን ዝግደስ ዝኾነ ኣካል ይኹን ውዳበ ክንዲ ዝሃለወ ኣፈላላይ ይሃልዎ ትግራይ ኣጋጢምዋ ንዘሎ ብሄራዊ ፀገም ንምፍታሕ ኣፈላላዩ ገዲፉ ብዘይ ትግራይ ካልእ ዓዲ ስለዘየብልናን ዘይትህልወናን ይምልከተኒ እዩ ዝብል ዝኾነ ይኹን ኣካል ዓርሰ ምርኮሳኣ ዝተረጋገፀ ዓዲ ጋህዲ ንምግባርን ወድዓዊ ፀገም ፋይናንስ ትግራይ ንምፍታሕን ግደኡ ከበርክት ይግባእ ።
ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ህዝብና ብፍላይ ድማ ዳያስፖራ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ሽኻልኩም ፀገም ትግራይ ተጋሩን ንምፍታሕ ዝብል ኣምር ጌርኩም ኣብቲ ወፍሪ ምትእኽኻብ እቶት ብስጡም ሓድነት ክትረቡን በይዛ ህዝብን ዓድን ግንባር ቀደም ኮይንኩም ክታምኩም ክተንብሩ ንፅውዕ።
ብሓፈሻ እታ ኣብ ከቢድ ሕፅረት ፋይናንስ ወዲቓ ዘላ ዓዲ ንምቕናዕ፣ንስለ ዓድን ህዝብን ክብሉ መጉዳእቲ ዝበፅሖም ሃርበኛታት ንምሕካም፣ ተመዛበልቲ ወገናት ንምምላስ፣ ዓቕሚ ኩሎም ደቂ ትግራይን ፈተውትን ወሳኒ ስለዝኾነ ኣብዚ ሰናይ ተግባር ንዕሰል ብሕብረት ፀገምና ነቃልል ዝብል መልእኽቲ ነመሓላልፍ።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ዓብዪ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሃፍቲ !
17 ጥሪ 2018 ዓ/ም
መቐለ

