ሰሙናዊ መግለፂ ቅዋም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
————————–
ዓለም ለኸ መዓልቲ ሚድያ፣
ንምቅላሕ ኣርባዕተ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና!!
ልዕሊ ኹሉ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፉ 44 ዓመታት ብፅንዓት ካብ ዝተቃለሰሎም ናይ ነፃነት ጉዳያት፣ ብቀንዱ ካብ ዝጥቀሱ፣ ምርግጋፅ ነፃነት ሚድያን፣ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ሓሳብ ብነፃ ናይ ምግላፅ መሰላት እዮም፡፡
ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሚድያ በብዓመቱ ሚያዚያ 25 ንኽኽበር ሙሉ ድጋፍም ዝህብሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ካብቶም ንስራሕቲ ኢንዶክትሪኔሽንን፣ ልዕልነት /ሄጆሞኒ/ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን ኣተሓሳስባ ዘረጋግፁ፣ ልዕሊ 40 ዝኾኑ መሳርሕታት ርክብ ህዝቢ /ኮሚዩኒኬሽን/ ዝብሃሉ፣ ሚዲያ ዝለዓለ ሓይልን ዓቕምን ስለ ዘለዎ እዩ፡፡ ተጠቓሊሉ እንትርኣይ ዘመናዊ /ኦንላይን ሚድያ ይኹን፣ ነባራት /ኦፍላይን/ መራኸቢ ሓፋሽ ዝበሉ፣ ናይ ኤክትሮኒክስን ሕትመት ሚድያታትን፣ ብማይክሮ ሰከንድታት ጊዜ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ናይ ምብፃሕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎም ኣውራ ተመረፅቲ እዮም፡፡ ስለዝኾነ ኦክስጅን ዲሞክራሲ እዩ፣ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሚድያ፣ ሙያዊ ነፃነቱ ሓልዩን፣ ዝተሸከሞ ማሕበራዊ ሓላፍነት ኣብ ሽቱኡ ክበፅሕ፣ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝን ደገፍን ክግበረሉ ግድን እዩ፡፡ እንተኾነ ካብ ታሪኽ ምርዳእ ከም ዝከኣል፣ ሚዲያ እዋናዊ ሓበሬታ፣ ትምህርታዊን መዘናግዒን /ተሃድሶ/ መደባት እናዳለወ ብምፍናዉ፣ ህዝቢ ግንዛቤኡ ክዓቢ፣ ኣብ ኩለ ዓውደ ስራሕ ንጡፍ ተሳታፎ ክገብርን ኣረኣእይኡ ብነፃነት ክገልፅን ኣወንታዊ ግደ ይፃወት እዩ፡፡ ብኣንፃሩ ሓላፍነት ብዝተመልኦ ኣገባብ እንተዘይተመሪሑን ኣብ ኢድ ፀረ-ህዝብን መድሓርሓርትን ሓይልታት እንተኣትዩ ናይ ጥፍኣትን ሕድሕድ .ምብልላዕን መስርሒ ኮይኑ የገልግል እዩ፡፡
ሚድያ ናይ ሓደ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ስርዓት ነፀብራቕ እዩ፡፡ ብምዃኑ ኣብ 2010 ዓ.ም ብደረጃ ክልል ዝተኻየደ ተሃድሶ ፅባሕ ጀሚሩ፣ ኣብ ትግራይ ዘለው መብዛሕቲኦም ዓይነት ሚድያታት፣ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝኽተልዎ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን ህዝባዊ መስመር መትከሎምን መምርሒኦምን ገይሮም፣ ዓቕሞም ብዝፈቀደሎምን፣ ናይ ትግራይ መንግስቲ ናይ ኮሙዩኒኬሽን ድሌት፣ ከምኡ እውን ናይ ህዝብና ኢንፎርመሽን ናይ ምርካብ መሰልን ባህግን ንምምላእ፣ ሰለስቲኤን ፍሉያትን መሰረታዊ ባህርያትን፣ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መስመር፣ ማለት ጉዳይ፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን፣ ናይ ህልውና ሕቶ ምዃኑ ተገንዚቡ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ድኽነት ክረባረብ፣ ሚድያ ሙያዊ ነፃነቱ ሓልዩ ንክኸይድ፣ ብተነፃፃሪ ካብዝኾነ ኣካል ቑፅፅር ነፃ ንክኸውን፣ ከምኡ እውን ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን ኣተሓሳስባ ልዕልነት ንኽረክብ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ይርከቡ፡፡
ብፍላይ ኣብ ሕዚ እዋን፣ ኣብ ሃገርና፣ በቲ ሓደ ወገን ወያናይ ህዝባዊ መስመር፣ በቲ ካልእ ድማ ኩሎም ናይ ድሑራት ኣተሓሳስባ ጠበቃታትን፣ ፀረ ወያነ ሓይልታትን ግንባር ፈጢሮም ፊት ንፊት ኣብ ዝጋጠሙሉ፣ ዘለናሉ ዝተሓላለኸ ንኡስ መድረኽ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘይተሓለለ ቃልሲ፣ ከምኡ እውን በብሰዓቱ ዝቀያየር ሽርሕን ተንኮልን ፀረ-ሰላምን ፀረ-ልምዓትን ሓይልታት፣ ኣብ ምቅላዕ ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ፣ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ካልኦት ብሄር፣ ብሔረሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ከመኡ እውን ንህልውና ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብፅንዓት ጠጠው ዝበሉ ሓይልታትን ምሁራትን ተቐባልነቶም እናወሰኸን፣ ድምፂ ህዝቢ ኾይኖም የገልግሉ ኣለዉ፡፡
ብሓፂሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝዋሰኡ ዘለዉ፣ ብሎገራት መናእሰይ ትግራይ ሓዊስካ፣ ኩሎም ሚድያታት ትግራይ፣ ህዝብን መንግስቲ ትግራይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለዉን ፀረ ድኽነት ቃልስን ዘመዝግብዎ ዙርያ መለስ ዓወታትን፣ ብኣንፃሩ ኣብ ኣፈፃፅማ ዝረኣዩ ሽግራትን ድኽመታትን፣ ምንጪ እቶም ፀገማትን ናይ ኣፈታትሓ ኣንፈቶም ኣብ ምሕባር ኣወንታዊ ተራ ተፃዊቶም እዮም፡፡ እንተኾነ ሚዲያታት ትግራይ መዓልቲ ዓለም ለኸ ሚድያ ንመበል 26 ጊዜ እንተኽብሩ፣ቅድሚ ኹሉ ኣብ ውሽጦም ዘለዉ መሰረታዊ ሽግራት ኣብ ቐፃሊ ከመይ ከምዝፈትሕዎም ንፁራት ኣንፈታት ኣቐሚጦም ክንቀሳቐሱ ይግባእ፡፡ ሚድያታት ትግራይ ህይወት ዘለዎም ንምግባር መትከላት ብዙህነት ጨቢጦም፣ ህዝቢ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት መደምደምታ ንክበፅሕ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ናብ ተመልከቲ ሰማዕትን መንበብትን ብግልፂ ንክበፅሕ፣ ናይ ክትዕ መድረኻት ኣብ ምፍጣር ክነጥፍ ይግባእ፡፡ብኻልእ መዳይ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ትልሚ ዴሞክራታዜሽንን ትራንስፎርሜሽንን መበገሲ ገይሮም፣ ኢንቨስትመንት ንምስፋሕ ፣ ቱሪዝም ንምሕያል ፣ ከምኡውን ኣብ ዲፕሎማሲ ዝተገበረ ምንቅስቓስን ዝተረኸበ ዓወትን ብግቡእ ኣብ ምቅላሕ፣ ወዘተ ብሓፂሩ እዋናዊ ምስሊ ትግራይ፣ ንዓለም ማሕበረ ሰብ ኣብ ምፍላጥ ዝነበረ ውሱንነት ክስተኻኸል ይግባእ፡፡ ሚድያታት ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ከም ሓደ ዓብይ፣ ቀንዲ ተመራፃይን ተኣማንን ሚድያ ንምዃን ብዙሕ ስራሕ ይተርፎም ከም ዘሎ ክስመረሉ ይግባእ፡፡
ኮይኑ ግና ብሓፈሻ ሴክተር ሚድያን ርክብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ሚዲያታት ትግራይ ካብ ዘለዎም ሽግር ንምንጋፍ ናይ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ሓገዝን ደገፍን የድሊ እዩ፡፡ ብምዃኑ ኩሎም ቤት ዕዮታት መንግስቲ ትግራይ ሓዊስካ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እውን ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ፡፡ ስለዝኾነ ቕድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፣ ብሓፈሻ ሴክተር ርክብ ህዝብን ሚዲያታት ትግራይ ዝምርሕሉ ንፁር ፖሊስን ስትራቴጅን ክቕረፅ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ኣባላት ቲንክታንክ ዝኾኑ ምሁራን ተጋሩ ዝጀመርዎም መፅናዕቲታት ተግባራዊ ንምግባር፣ ብዋናነት ዓቅሚ እቲ ሴክተር ንምዕባይ ክረባረቡ ይግባእ፡፡ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ንምዕባይ ወሰንቲ ዝኾኑ ትካላት መፈፀምቲ ዓቕምታት ዝበሃሉ፣ ከም ናይ ሚድያን ርክብ ህዝብን ምርምር ማእኸላት፣ ዩኒቨርስታትን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት፣ ብፍላይ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝህቡ ትካላት ናይ መዘናግዒ መደባት ዘዳዉ ሓዊስካ ኦዲዮ ቪድዮ ፕሮዳክሽን ወዘተ ትካላት እጃሞም ከወፍዩ ይግባእ፡፡
ሚዲያታት ትግራይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሚድያ ን26 ጊዜ እንተኽብሩ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ቀንዲ ውራዮም ህዝብና ፀረ-ድኽነት ቃልሱ ኣሓይሉ ንባዕሉ ካብዝኾነ ተቃላዓይነት ንምንጋፍ ዝገብሮ ዘሎ ዘይተሓለለ ፃዕርን፣ድሕንነቱን ማንነቱን ንምሕላው ቀትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ዝገብሮ ዘሎ ቓልሲን፣ ብድምር ብሓደ ወገን ኣርባዕቲኦም መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ዝብሃሉ ጉዳይ ሰላም፣ዴሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ንምቅልጣፍ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብግቡእ ኣብ ምቅላሕ፣ በቲ ካሊእ ወገን ድማ ፀረ-ህዝብን ፀረ-ሰላምን ሓይልታት፣ በብእዋኑ ስልቶም እናቀያየሩ፣ ትግራይ ኣሸቑሪርካ፣ ትግራይ ኣዳኺምካ ንምስኳን ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቃስ ብትኹረት ብምክትታል ኣብ ምቅላዕ ሙያዊ እጃሞም ከም ዘወፍዮ ኣየጠራጥርን፡፡
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !!
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ
ሚያዝያ 25/08/2011 ዓ.ም