
እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ብስም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ መግለፂ ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ንሓደ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ወጊኖም ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ፣ ስርዓት ኣልቦነት ናይ ምንጋስን ሰራዊት ናይ ምብታንን ቅሉዕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ምህላዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
መደብ ኦሬንቴሽን ኣመራርሓ ሰራዊት ተባሂሉ ኣብ ዝተፀውዐ መድረኽ ካብ ዝተሓሰበሉ ዕላማን ካብ ተልእኾ ሰራዊትን ወፃኢ ናብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምእታው ፍፁም ተቐባልነት የብሉን። እዚ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይፈልጦን ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ድማ ሕጋዊነትን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ዘይንቡር ተግባር እዩ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ዘይንቡር ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምርኣይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣሎ። ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምርኣይ ድማ ንህዝብና ዝርዝር መብርሂ ክንህብ ኢና።
ትሕዝቶ ናይዚ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ ቅዋም ብግልፂ ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ። ንመላእ ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እውን እዩ። እቲ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ ኣብዚ ጥራሕ ጠጠው ኣብ ክንዲ ዝብል ተፃዲፉ ናብ ታሕቲ ክወርድ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው። እዚ ብህፁፅ ደው ክብል ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ሓድነት ህዝብናን ሓይልታት ፀጥታናን ናብ ሙሉእ ሓደጋ ከምዝጥሕል ክፍለጥ ኣለዎ።
መላእ ሓይልታት ፀጥታ እውን እዚ ዘይሕጋዊ ውሳነ ፀገም ህዝብና ዘጋድድ ኣዋጅ ኩናን ስርዓት ኣልቦነትን ምዃኑ ብውነ ተገንዝብኩም በፅንዓት ክትነፅጉዎን ካብዚ ወፃኢ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ትእዛዝ ተግባራዊ ከይትገብሩን ነፍልጥ።
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
15 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ