ህዝቢ ትግራይ ተወዲቡ ተቓሊሱ ስርዓት ደርጊ ደምሲሱ ዓወት ዝሓፈሰሉ እዋን ከምዝኾነ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ መበል 51 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ምንባር ጉንጉን ዕንበባ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ።
ህዝቢ ትግራይ እናተቓለሰ መስዋእቲ እናኸፈለ ኣብ 1967 ዓ/ም መራሕቲ ረኺቡ ተወዲቡ ድሕሪ ምቅላስ ስርዓት ደርጊ ደምሲሱ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ስርዓት ክሰፍን ገይሩ እዩ።
ኣብቲ እዋን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ናይ መወዳእታ ብዘይምዃኑ ኣብ ኢትዮ- ኤርትራ፣ ኣብ ቐረባ እዋን እውን መስዋእቲ ተኸፊሉ ብስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተነፃፃሪ ሰላም ክፍጠር ክፍጠር ዋላ’ኳ እንተኸኣለ ብዙሓት ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ኣይተመለሱን ንኩናት ዝፈጥሩ ግን ኣይኮኑን ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ስድራ ስውኣት ዝተጎድአ ኢኮነሚ ክሕገዙ ዝግበኦም ኣካላት ኣለው ዝበሉ እቶም ፕረዚደን እዙይ ብዘላቒ መፍትሒ ክወሃቦ ዝግባእ ብሰላማዊ ፓለቲካዊ መንገዲ እንበር ናብ ኩናት ዘእቱ ኣይኮነን ህዝቢ ትግራይ ብኢኮኖሚ ከመይ ከምዝጭነቅ ዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኢሎም።
ኩናት ዝተገመተን ዘይተገመተን ዝፈጥር ስለዝኾነ ብሓይሊ ዝፍታሕ ነገር ስለዘየለ ብሓይሊ ዝመፅእ እንተሃልዩ ግን ምክልኻል ግድን ክኸውን እዩ ልዕሊ ኩሉ ግን ንሰላም ኩሉ ኣማራፂ ክንጥቐም ኢና ኢሎም።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
10 ለካቲት 2018 ዓ/ም
መቐለ

