እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዘውፅኦ መግለፂ ሕጋውነት የብሉን!
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሎሚ ዕለት 16/06/2018 ዓ/ም ን5 ናቑጣታት መረፃ ትግራይ ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ብምግባር ቁዋም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
1. ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣየካትዕን፦
ቦርድ መረፃ መግለፂ ዝሃበለን 5 ወረዳታት፣ ታሪኻውን ሕገ-መንግስታውን ግዝኣታት ትግራይ ብወራር ዝተትሓዛ እምበር ካብ ግዝኣት ትግራይ ወፃኢ ኣይኮናን።
መሬት ትግራይ ካብ እዋን ጀኖሳይዳዊ ኲናት ክሳብ ሐዚ ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ከምዝርከብ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ፌደራል መንግስቲ ኣጣሊሎም ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትሕቲ ወራር ዘሎ መሬት ከም ኣካታዒ ጌርካ ምቕራብ ቅቡልነት የብሉን።
ዘይኩርምትኻ ሑፃ እንተትሓይከሉ ከም ዝብሃል ተመዛባሊ ኣብ ፎቖዶ ቴንዳን ካልኦት ኣፀገምቲ ስፍራታትን ተደርብዩ እናሃለወ መረፃ ክተካይድ ምሕሳብ ስልጣን ካብ ምንዋሕ ወፃኢ ካሊእ ትርጉም የብሉን።
2. ምጥሓስ ውዕሊ ፕሪቶርያ፦
ውዕሊ ፕሪቶርያ ብወራር ዝተትሓዘን ቅድሚ ፅንተታዊ ኲናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረን ግዝኣታዊ ሓድነት ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ ከምዝግባእ ብግልፂ የገድድ። እዚ ናይ ሎሚ መግለፂ ነቲ ወራር ሕጋዊ ሽፋን ካብ ምሃብ ካሊእ ትርጉም የብሉን።
3. ጉዳይ ተመዛበልትን መረፃን፦
ኣብተን ዝተጠቐሳ ወረዳታት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ፣ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣብ መዕቆቢ ካምፕታት ኣብ ሰቓይን መከራን ይርከቡ ። እዞም ወገናትና ብክብርን ብውሕስነትን ናብ መረበቶም ቅድሚ ምምላሶም ዝግበር መረፃ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን።
ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ድሕንነትን ምምላስን ተመዛበልቲ እምበር፣ ኣብ ስደት ኮይኖም ብዛዕባ መሬቶም ክውሰን ምግባር ገበን ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
4. ምዝባዕ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት፦
ተመዛባሊ ኣብ ሓሳረ መከራ እናሃለወ፣መሬት ትግራይ ብሰፈርቲ ተወሪሩ እንከሎ በዓል ዋና ኣብ ዘይብሉ መረፃ ምክያድ ክውንነት ዝሳሓተን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝጥሕስን እዩ።
ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝወፅአ መግለፂ ኢ-ሕገ መንግስታዊ፣ ፀረ-ውዕሊ ፕሪቶርያ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከም ስጋ ጉዚ ዝሽንሽንን ጎነፅ ዘነሃሃርን እዩ።
እዚ መግለፂ ኣካል ተጠጂኡ ዝፀንሐ ሽርሕን ሉኣላውነት ህዝቢ ዝጥሕስን፣ ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘቕርብ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ይኹን ውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዋላ ይሃሉ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝወፀ መግለፂ ህልውና ህዝቢ ስለ ዝፈታተን ኩሉ ትግራዋይ ብሓደ ቃልን ብሓደ መንፈስን ተለዓዒሉ ነዚ ኢ-ፍትሓዊ ውሳነ ክቃወም ሉኣላውነት ትግራይ ንምኽባር ድማ ሓድነቱ ከጠናኽር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።
16 ለካቲት 2018 ዓ/ም
ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ
መቐለ

