ንልዕሊ 20 ዓመት ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ ኮይኑ ዝፀንሐ ፀገም ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝፍታሕ ጀነራል ታደሰ ገሊፆም
 
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ሎሚ ሚያዝያ 01/2018 ዓ/ም ካብ ወረዳታት ሸራሮ፣ ታሕታይ ኣድያቦን ማእኸላይ ኣድያቦን ተወኪሎም ንዝመፁ ኣብ ፅሕፍት ቤቶም ተቀቢሎም ጥርዓኖም ኣብ ዘዳመፀሉ እዩ። እዞም ተወከልቲ ንዘቕረብዎ ጥርዓን መሰረት ብምግባር ብዝኾነ ይኹን መንገዲ እዚ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ፀገም ከም ዝፍታሕ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣገንዚቦም።
 
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ ከባቢ ቅድም ክብል ብኣካል ከይዶም ከም ዝተዓዘብዎ ዝገለፁ እንትኾን ናይ ከተማ ሸራሮ ህዝቢ ብሓፈሻ ድማ ታሕታይ ኣድያቦን ማእኸላይ ኣድያቦን ከምኡ ድማ ኣብቲ ከባቢ መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ኢንቨስት ንዝገብሩ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፀገም ምኽንያት ክኸውን ከም ዘይብሉ ሓቢሮም።
ዋና ስራሕ መካየዲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሪጅን ሰሜን ኣይተ ሮቤል ብወገኖም ነዚ ፀገም ብግዝያውነትን ብዘላቕን ንምፍታሕ ዝከኣሎም ኩሉ ንምግባር ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብምዃን ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።
ንልዕሊ 20 ዓመት ዝዘለቐ ፀገም ንኡስ ጣብያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (Substation) ኣብ ከተማ ሸራሮ ምትካል ዛጊድ ምላሽ ዘይረኸበ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ጥርዓን መቕረብቲ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ናይ ማኑፋክቸሪንግ ይኹኑ ኣግሮፕሮሶሲንግ ኢንዱስትሪታት ስራሕቲ ከቢድ ማሕልኻ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ መብራህቲ ብፈረቓ ከም ዝኾነ ዝሓበሩ እዞም ልኡኻን እቲ ከባቢ ብርቱዕ ምቖት ዘለዎ ምስቲ ምዃኑ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ በሰፊሑ ከም ዘድሊ ገሊፆም።
 
ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ
ሚያዝያ 01/2018 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons