ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ፤
=====================================
ስርዓት ብልፅግና ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ደብዳብ ድሮን ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ።
ስርዓት ብልፅግና ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ጀኖሳይድ ኣዊጁ ኣብ ልዕሊ ብሚልየናት ዝቑፀር ህዝቢ ሞት፣ ምጉዳል ኣካል፣ ስደት፣ ምፍንቓል፣ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ዕንወት ወዘተ ምፍፃሙ ከየዕገቦ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንዝፈረሞ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምፍራስ ብኲናት ንዘይዛዘሞ ዕላምኡ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ትግራይን ህዝባን ንምብርካኽ ኩሉ ዓይነት ግፍዕን በደልን ክፍፅም ፀኒሑን ኣሎን።
“ህዝቢ ትግራይ እንተየጥፋእኹ ኣይድቅስን” ኢሉ ኩሉ ዓይነት ግፍዕታት ዝፍፅም ዘሎ ስርዓት ብልፅግና፤ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፣ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ደብዳብ ድሮን ብምፍፃም ኣብ ዕለታዊ ስራሕቶም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መጉዳእቲ ህይወት፣ ኣካልን ንብረትን ኣብፂሑ ኣሎ። እዚ ስርዓት ቅድሚ ሕዚ እውን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ደብዳብ ድሮን ፈፂሙ እዩ።
ኣብዚ እዋን ልኡላውነትና ተወሪሩ፣ ህዝብና ካብ መረበቱ ተሰዲዱን ተፈናቒሉን፣ ዝዓነወ ማሕበረ- ኢኮኖሚ ትግራይ ከይሓዊ ተገይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ፍትሒ ተሳኢኑ፤ ስርዓት ብልፅግና ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ካልእ ተደራቢ ግፍዒ ብምፍፃም በጀት፣ ነዳዲ፣ መድሓኒት፣ ጥረ ገንዘብ ወዘተ ዓፅዩ ከምበርክኾ ንዘይክኣለ ህዝቢ ብቅሉዕ ዳግማይ ወራር ከፅንቶ ይዳሎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ነቲ ፍሹል ሰይጣናዊ ባህጉ ኣጠናኺሩ ቀፂሉሉ ኣሎ።
ስርዓት ብልፅግና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዳግም ዝውልዖ ዘሎ ኲናት ብግልፂ ዘረጋግፆ ሓቂ እንተሃለወ እቲ ስርዓት ካብ ኲናት ወፃእ ክነብር ዘይኽእል ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ትግራይ “ልኡላውነተይ ይከበር፣ ናብ መረበተይ ክምለስ፣ ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ይከበረለይ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ይረጋገፀለይ፣ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላተይ ይተሓለወለይ፣ ሰላምን ዲሞክራስን እደሊ ኣለኹ” ክንዲ ዝበለ ኣድልዎ፣ ክባን ዕፅዋን፣ ደብዳብ ድሮናት ወዘተ ኮይኑ መልሱ። ሕቶ ሰላምን ትዕግስትን ህዝቢ ትግራይ ከም ፍርሒ ተቖፂሩ። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ብግፍዓውያን ኣይተምበርከኸን ጥራሕ ዘይኮነስ ግፍዒ ዝወለዶ ቃልሲ ኣካይዱ ፀላእቱ ቀቢሩ እዩ። ሎሚ እውን ንህዝቢ ትግራይ ብብድዐ ምምብርካኽ ከም ዘይክኣል ክፍለጥ ይግባእ።
በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ሎሚ ዝተፈፀመ ደብዳብ ስዒቡ ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ሸራሮን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦን ንዘርኣዮ ድጋፍን ሕራነን መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ናእዳ እናገለፀ መላእ ህዝብና ሕዚ እውን ሓድነትካ ብምስጣምን ውዳበታትካ ብምጥንኻርን ኣብ ጎኒ ዓቕምታት መኸተ ትግራይ ዓሲልካ ንምውሓስ ህልውናናን ለእላውነትናን ብፅንዓትን ሓድነትን ከም ትቃለስ ብምትእምማን እዩ።
ኣብ መወዳእታ ስርዓት ብልፅግና ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከፊትዎ ብዘሎ መዕነዊ ኲናት ከይተገትአ ህዝብን ዓድን ናብ ዝኸፍአ ጥፍኣት ብምእታው እዚ ዞባ ናብ ዘይዛሪ ቅልውላው የእትዎ ከም ዘሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተገንዚቡ ብኣጋ ስጉምቲ ንኽወስድ በዚ ኣጋጣሚ ነተሓሳስብ።
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
29 ጉንበት 2018 ዓ.ም

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons