ካብ 9 ክልላትን ክልተ ከተማ ምምሕዳርን ዝተወፃፅኣ 22 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ልኡኻት ሰላም ኣብ ክልልና ኣትየን፡፡ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል ፃንሒት ዝገበራ ኮይነን ንምንጋስ ሰላም ብትኹረት ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን፡፡
ህዝቢ ትግራይን ምምሕዳር እቲ ክልልን ቕድም ክብል ንምምፃእ ሰላም ብርክት ዝበሉ ዋጋታት ዝኸፈሉ ኾይኖም ሐዚ’ውን ኣብ መላእ ሃገርና ሰላም ንክዓስል ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡
መተሓበበሪት እቲ ጉጅለ ወ/ሮ ገነት ኣሰፋ ከም ዝበልኦ፤ እቲ ልእኹ ኣብ ኹሉ ከባቢ ሃገርና ሰላም ንክህልው ዝዓለመ ኾይኑ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣፈጉባኤ፣ ተምሃሮን ካልኦ ወገናት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሓ ድሕሪ ምሕባር ኣብ እዋን ፀገም ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ተጎዳእቲ ብምዃነን እዚ ንምክልኻል ድማ ፀገማት ካብ መበገሲኦም ንምቕራፍ ትኹረት ሂብኻ ምስራሕ ከም ዝግባእ ንምሕባር ዝዓለመ ጉዕዞ ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል ንልኡኻት ኣባላት ሰላም ኣብ ዝተቐበልሉ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ንምምፃእ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኾይኑ ሐዚ ድማ ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ፀረ ሰላም ሓይልታት ኣደብ ይግበሩ፣ ሕገ መንግስቲ ይከበርን ሰላም ኣብ ኹሉ ይንገስን ኣብ ምባል ይርከብ ምስ በሉ ምምሕዳር እቲ ክልልና ውን ንሰላም ዝቆመ ብምዃኑ ምስ ህዝቡ ብምርድዳእን ንሰላም ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡
ከም ኣገላልፃ ዶ/ር ደብረፂዮን፤ ፌደራል መንግስትን ክልል መንግስትታትን ንምንጋስ ሰላም ዝለዓለ ብፅሒት ከም ዘለዎም ብምእማን ብትኹረት ክሰርሑ ከም ዝግባእን ሕገ መንግስትን ከኽብሩን ይግባእ ኢሎም፡፡
ህዝብን ምምሕዳርን ክልልና ንምንጋስ ሰላም ትኹረት ሂቡ ብምስርሑ ክሳብ ሐዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ፀገም ሰላም ኣይተርኣየን፡፡ ኮይኑ ግና ካብ ከባቢና ወፃኢ ፀገም ሰላም ብምህላው ሐዚ ዝተፈላለዩ ፀገማት ኣብ ህዝቢ ትግራይ እናበፅሐ ዝርከብ ኮይኑ መቕተልቲ፣ መቑሰልትን ምፍንቓልን ካልኦትን ፀገማት ብበዝሒ ዝረኣየሉ ኩነታት ከም ዘሎን ኮይኑ ግና እቶም ፀገማት ብሕግን ብሰለማውን መንገዲ ንምፍታ ብትኹረት ይስራሕ ከም ዘሎ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም፡፡
እቲ ዑደት ብሚኒስተር ሰላምን ብሚኒስተር ህፃናትና ደቂ ኣንስትዮን ዝተዳለወ እዩ፡፡
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ