ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ህፃናትን ኣዴታትን ኣርኣያ ብምዃን ፣ንሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወለል ወረዳ ሓውዜን ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቶም
ነቶም ብልዕሊ 180 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝተዓደጉ ናውቲ ትምህርቲ ዘረከቡ በዓል ሞያ ማሕበራዊ ተሓታትነት ጨንፈር ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ኣባዲ ዘገየ ከም ዝገለፅዎ ፣ዕላማ ማሕበራዊ ተሓታትነት ፣ ተገልገልትን መገልገልትን ኣካላት ብምቅርራብ ኣቢልካ ብምዝታይ ፣ ፀገማት ነፂርካ መፍትሒ ንምቅማጥን ሓታታይ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ትካል ከም ዝኾነ ኣብሪሆም።
በዚ መሰረት እዚ ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ህፃናትን ኣዴታትን ኣቢሉ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ፣ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘጋጥሙ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ፣ተምሃሮን መምህራንን ኣፀቢቆም ክቀራረቡ ንምግባርን ተረከብቲ ዓዲ ንዝኾኑ ተምሃሮ ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበሉ ኮይኖም ንኸርከቡ ዕላማ መበገሲ ተገይሩ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ብምኻኑ ፣ ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ዝላዓለ ትኹረት ንኽገብሩ ተላብዮም።
ርእሰ መምህር ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወለል ወረዳ ሓውዜን መ/ር ሞጎስ ካሕሳይ ብወገኖም ፣እዚ ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ህፃናትን ኣዴታትን ኣርኣያ ኮይኖም ዝገበርዎ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ፣ ኣብ ተምሃሮን መምህራንን ዝነበሩ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘዐንቅፉ ፀገማት ብምፍታሕ ፣ፅሬት ትምህርቲ ክረጋግፅ ዝገብር ብምኻኑ ፣ብስም ተጠቀምቲ እታ ቤት ትምህርቲ ኣመስጊኖም።
ማሕበራዊ ተሓታትነት ኢትዮጵያ ፣ብ 6 ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዓለም ዝምወል ኮይኑ ፣ ን 4 ጣብያታትን ን 3 ኣብያተ ዕዮን ወረዳ ሓውዜን ብምሓዝ ፣ሓታታይ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን መገልገልትን ተገልገልትን ንምቅርራብን ዝንቀሳቀስ ዘሎ ትካል ከም ዝኾነ ፣ ካብ መብርሂ ኣይተ ኣባዲ ዘገየ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ክብል ፣ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
26 ለካቲት 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons