ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብማሽነሪ መፍረይቲ ትካላት!!!
*********************************************
“ዕቑር ዓቕሚ ደቐቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ትግራይ ንዳግመ ሕዉየትን ህንፀት ትግራይ” ብዝብል መራሕ ሓሳብ ዓዉደ ርእይ ትካላት መፍረይቲ ማሽነሪ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተኻየደ ርክብ ህዝቢ (ኮሙዩኒኬተር) ቢሮ ኢንዱስትሪ ፀብፂቡልና ኣሎ።
እዚ ዓዉደ ርእይ እዚ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ፣ ልምዓት አንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ፣ “ዩናይትድ ኔሽንስ ኢንዳስትርያል ዲቨሎፕመንት ኦርጋናይዜሽን” (UNIDO)፣”ኢታልያን ኤጀንሲ ፎር ዲቨሎፕመንት ኮኦፖሬሽን”ብምትሕብባር ዝተኻየደን ካብ ደገ ዝኣትዉ ማሽናት ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ብምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን እንትኾን ነቲ መድረኽ ብዕሊ ዝኸፈቱ ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ዶክተር ገብረህይወት ዓገባ እዮም።
“ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ኣዕናዊ ኲናት ሲዒቡ ብኣሻሓት ዜጋታት ዝሞትሉ ዝተፈናቐንሉን ከምኡ እዉን ንብረቶም ዓንዩን ዝተመዛበሉ ከምዝኾነ፤ ነዚ ሲዒቡ ድማ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተረኸበ ሰላም መሰረት ገይርና ዳግመ ሕዉየት ስራሕትና ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዘላቕነት ሰላም ንኽረጋገፅ ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ገብረህይወት፤ ዘላቒ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ሕርያ ዘይብሉ ግቡእና ምዃኑ፤ ኣብ ክልልና ጉልበት ሓይሊ ሰብ ዝሓቱ ስራሕቲ በዝሒ ስለዘለዉ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ዓብይ ግደ ስለዘለዎን ዉፂኢታዊ ዝኾነ ደገፋት ክግበረሎም ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ቀረብ ልቓሕ፣ ደገፍ ማተርያል፣ ስልጠናን ካልኦትን ብምድጋፍ እቶም ዝጀመሩ ብምብርትታዕ እቶም ናብ ስራሕ ዘይኣተዉ ቀስ ብቐስ ንክጅምሩ ምድጋፍ የድሊ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ፋይናንስ ምርካብ ከቢድ ስለዝኾነ ነዞም ማሽነሪ መፍረይቲ ምድጋፍ መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝኾረ እውን ዶክተር ገብረህይወት ሓቢሮም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ኢንተርፕራይ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብዱልፈታህ ዮሱፍ ብወገኖም፣ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓማዉቲ ብዝበፅሐ ጉድኣት ኣፍረይቲ ኣብ ልምዓት ክልሎምን ሃገሮምን ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ፤ ብርክት ዝበሉ ኣፍረይቲ ዓንዮምን ኣብኣቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ‘ውን ሂወቶም ስኢኖምን ንስራሕ ስእነት ተቓሊዖምን እዮም ኢሎም።
ካብዚ ተላዒልና ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኣፍረይቲ ዘለውዎም ፀገማት ቀሪፍና ናብ ስራሕ ንክኣትው፤ ዜጋታት ሰሪሖም ዓርሶምን ቤተሰቦምን ንክኽእሉን ኣብ ልምዓት ዓዶም ንክሳተፉን፤ ብሓፈሻ ድማ መሰረታዊ ፀገማት እቲ ዘርፊ ምፍታሕ፣ ብፍላይ ቀረብ ልቓሕ ገንዘብ፣ መሳርሕታት አፍረይቲ፣ መለዋወጢ ኣቑሑት፣ መስርሒ ቦታ፣ መሰረተ ልምዓትን ምትእስሳር ዕዳጋን መፍረያይነት ኣፍረይቲ ንኽዓቢን ስለዝገብሩ ነዚኦም ንምፍታሕ ኮነ ኣፍረይቲ ምህርቶም ከዕብዩ፣ ካብ ደገ ዝኣቱ ንኽቕንሱ፣ ምህርቶም ናብ ዕዳጋ ዓለም ንከቕርቡን ሸርፊ ወፃኢ ንኽረኽቡን፣ ዝማዕበለት ሃገር ኣብ ምፍጣር ብፅሒቶም ከበርክቱን ኩሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ኢና!!” ዝበሉ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር፣ ኩለ መዳይ ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ ልምዓት ኢንተርፕራይ ኢትዮጵያ ዝኽእሎ ኩሉ ከምዝገብሩር ቃል ኣትዮም።
እዚ ዝተኻየደ ዓዉደ ራእይ መፍረይቲ ዉሽጢ ዓዲ ንምብርትታዕ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዓብይ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ብምዃኑ ብብርኪ ሃገር ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣናት፣ ሰብ ሞያን መድረግትን ካልኦት ኣካላትን ዝተሳተፍሉን ከም ሃገር እዉን ኣዝዩ ጠቓሚ መድረኽ ከም ዝኸውንን ትግራይና ‘ውን ዘለው ፀገማት ንምቕራፍ ርሑቕ ክትስድር ዝገብርን መድረኽ ነይሩ ዝበለ ድማ ርክብ ህዝቢ (ኮሙዩኒኬተር) ቢሮ ኢንዱስትሪ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
10 መስከረም 2016 ዓ.ም
መቐለ

