እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
 
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ትግራይ እውን ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ማለት እውን ራያ ዓዘቦ፣ ከተማ መኾኒ፣ ከባቢታት ራያ ኣላማጣን ኦፍላን ከም ዝተርኣየን ክሳብ ሕዚ በዚ ሕማም ሞተ ከምዘጋጠመን ተረጋጊፁ ኣሎ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 22 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብዝርዝር ገምጊሙ ንህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ንክወጅ ወሲኑ ኣሎ።
 
ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ እውን ወሲኑ ኣሎ። ሕድሕድ ቤት ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእል ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ከምዘለዎ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ህዝብና እውን ነዚ ኣፀጋሚ ጥዕናዊ ኩነታት ብዝግባእ ተረዲኡ ዓርሱን ከባቢኡን ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ብልዑል ትኹረት ክረባረብን መንግስቲ በቢእዋኑ ዘውርዶም ኣንፈታት እናተኸታተለ ንተግባራዊነቶም ሓጋዛይ ግደ ክፃወትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።
 
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons