ንስድራ ስውኣት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእ ከንቲባ ከተማ ዓድግራት ሓቢሩ።
ከንቲባ ከተማ ዓድግራት ኣይተ ሰለሞን ሓጎስ ከምዝሓበርዎ ራመር ትሬዲንግ መከፋፈሊ ዳሽን ቢራ ን12 ደቂ ኣንስትዮ ብኽብሪ ንዝተሰናበታ ሃርበኛታትን ደቂ ስውኣትን፣ 200 ሽሕ ዋግኡ ክልተ ቦኽራ መጥሓን ብሓገዝ ኣረኪቡ ዝበለ ሓበሬታን ርክብን ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት እዩ።
ኣካል ዳግመ ሕውየትን ህዝቢ ናብ ልምዓት ንክኣቱ ብግዱሳት ሰብ ሃፍቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዘመስገኑ ኣይተ ሰለሞን ካልኦት ሰብ ሃፍትን ዳያስፖራን እውን ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ክገብሩ ፃዉዒት ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ ኣሎ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
27 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

