ነጋዶ መሳርሒ ህንፃ ከተማ መቐለ ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝረአ ንዘሎ ሕፅረት ናዉቲ ኣብያተ ዕዮ ንምቅላል 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ዋግኦም ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ኣበርኪቶም።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕቲ መሳርሒ ህንፃ ዝተዋፈሩ ማሕበራት ብሓባር ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝረአ ሕፅረት ናዉቲ ንምቅላል ዘኽእል ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ኣብያተ ፅሕፈት ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣበርኪቶም ክብል ከይዲ ስራሕ ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ገሊፁ።
ተወከልቲ ማሕበር መሳርሒህንፃ ፀብቕለይ መቐለን ማሕበር ቃል ኪዳን 2ይ ዙር መሳርሒ ህንፃ ኣይተ ዮዉሃንስ ገ/ማርያምን ኣይተ ኣብርሃም ገብረሚካኤል ከምዝበልዎ ከም ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ግበኦም እናፈፀሙ ከምዝፀንሑ ብምዝኽኻር ሕዚ ድማ ብምኽንያት ወራር ዕንወት ዝበፅሐን ኣብያተ ዕዮ ናብ ንቡር ስረሐን ንምምላስ 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ብር ወፃኢ ብምግባር ዝተፈላለያ ኮሚፒተራት፣ ጠረጴዛታት፣ ወናብርን ፕሪንተራትን ካልኦትን ብፍላይ ንቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ሓገዝ ከምዝገበሩ ገሊፆም።
ንቐፃሊ እውን ኣብ ኩለመዳይ ስራሕቲ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ ግቡኦም ንምፍፃም ድልዋት ከምዝኾኑ ብምግላፅ ካልኦት ማሕበራት እውን ኣሰሮም ክስዕቡ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ነቲ ሓገዝ ካብ ዝተረከቡ ሓላፊ ኣጠቓቕማን ምሕዳራ መሬትን ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረሚካኤል እኑን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለን ወይዘሮ ሰናይት ብርሃነ ኮይኖም ክልቲኦም ማሕበራት ህንፃ መሳርሒ ከም ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት መዛጋጃ ከተማ መቐለ ዘሎ ዕንወት ናብ ንቡር ስርሑ ንምምላስ ዓሊሞም ዘበርከትዎ ሓገዝ ብምስጋን ካልኦት ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ እውን ኣሰሮም ክስዕቡ ተላቢዮም።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
27 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

