ኣሸንዳን ኣውርስን ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶኦም እንተይለቐቑ ክኽበሩ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
እዚ ዝተገለፀ ኣብ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳን ኣውርስን 2016 ዓ.ም ማእኸል ዝገበረ መግለፂ እንትወሃብ ኮይኑ ኣሸንዳን ኣውርስን ባህላዊ ትሕዝቶኦም እንተይለቐቑ ብምኽባር ንረብሓና ከነውዕሎምን ብሓፈሻ እቲ በዓል ተዘሓሒሉ ንዘሎ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን እታ ከተማ ከም ብሓዱሽ ክለዓዓል ምግባር ከምዘድሊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ቁጠባ እታ ከተማ ገሊፁ።
ሓላፊ ልምዓት ቁጠባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ዘርኣይ ሓጎስ ከምዝገለፅዎ ኣብ ሕሉፍ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳን ኣውርስን ኣመልኪቶም ዝነበሩ ጥንካረታትን ክፍተታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ እቲ በዓል ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኡ ከይለቐቐ ብዝግባእ ክኽበር ምግባርን ተዘሓሒሉ ንዘሎ ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን እታ ከተማ ከም ብሓዱሽ ክለዓዓል ከምዝግበር ገሊፆም።
ከንቲባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ኣታኽልቲ ፀጋይ ብግደኦም “ክብርታት ኣሸንዳ ንኽብሪ ደቂ ኣሸንዳን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝኽበር ዘሎ በዓል ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ከይለቐቐ ደሚቑን ማዕሪጉን ንክኽበር ምድላዋት ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም። ሎሚ ዓመት ዝኽበር በዓል ኣሸንዳን ኣውርስን ክውንነት ባህሊ ብምሓዝ ፣ ክብርታትን ደቂ ኣሸንዳ ብምሕላው ምትእስሳር ማሕበራዊ ሂወት እቲ ከባቢ ብዘንፀባርቕ ኩነታት ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን እቲ ከተማን ክልልን ለውጢ ብዘምፅእ መንገዲ ዝኽበር ምዃኑ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ በዓል ኣሸንዳን ኣውርስን 2016 ዓ.ም ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ,ታት ትውፊታት ክብርታትን ብዝግባእ ሓሊዩ እቲ በዓል ክልላዊ ንምግባር ምስ ጎረባብቲ ወረዳታትን ከተማታትን ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ምስ መሳለጥቲ እቲ በዓል ብምትሕብባር እቲ በዓል ዝኽበር ምዃኑን ብፍላይ ተወለድትን ፈተውትን ተንቤን ኣብ ሕሉፍ ዓመት ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳን ኣውርስን ዝነበረ ልዑል ተሳትፎ ዲያስፖራ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኩባንያታትን ካልኦት መድረግትን ሎሚ እውን ደገፎም ከጠናኽሩን ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ኣሸንዳን ኣውርስን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙን እቶም ከንቲባ ፃውዒት ኣቕሪቦም ከም ሓበሬታን ርክብን እቲ ከተማ።
16 ሓምለ 2016 ዓ.ም
መቐለ

