እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብኽባር መስዋእትና ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብ መሰረታዊ ሕቶታት ትግራይን ህዝባን ንምምላስ እናሰርሐ ምምፅኡ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ፀፍሒ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእን ድሕሪ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብግልፂ ዝተርኣየ ኣፈላላይን መሰረታዊ ሕቶታትና ንምምላስ ኣብ ዝግበር ዝተዋደደ ፃዕሪ ከቢድ ዕንቅፋት ፈጢሩ እዩ።
በቲ ሓደ ገፅ እቲ ኣፈላላይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተኻረረ ክኸይድ በቲ ካልእ መዳይ ድማ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተወደበ መንገዲ ብምዕንቃፍ ስራሕቲ መንግስቲ ናይ ምልማስ ዝተዋደደ ወፍሪ እናተኻየደ መፂኡን ኣሎን። እዚ ወፍሪ ብላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየደ ጉጅለ ዝምራሕን ዝግራሕን ኮይኑ ህዝብና ተስፋ ክቖርፅን ብቐፃልነት ኣብ ሰንፈላል ክጥሕልን ኮነ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር እዩ።
ሎሚ ሎሚ ድማ እቲ ጉጅለ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፉ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ምፍፃምን ፍፁም ስርዓት ኣልቦነት ናብ ምስፍሕፋሕን ተሰጋጊሩ ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለ፣ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእኸልን ዝርኣዩ ዘለዉ ምልክታት ናይዚ ተግባር መረጋገፅቲ ኣብነታት እዮም። ካብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጀሚሩ ከዓ “ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ተረዳድእና ኢና፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓውር መንግስቲ ክንቆፃፀር ወዲእና ኢና ወዘተ” እናበለ ሰፊሕ ናይ ምድንጋር መደብ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።
እዚ ኣበሃህላ ባዕሉ ንባዕሉ ዘታልለሉ ኣጉል ተስፋ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጥር ትብል ሓቂ ዘይብሉ ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ ካብ ስልጣን ወፃኢ ክሓስብን ክእምትን ስለዘይኽእል ወግሐ ፀብሐ ተመሊሱ ስልጣን ዝሕዘሉ ሕልሚ ካብ ምሕላምን ንስልጣን ክብል ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት ካብ ምፍፃምን ንድሕሪት ከምዘይብል ግን ብተደጋጋሚ እናተርኣየ መፂኡ እዩ። ምስ ሰራዊት ተረዳዲእና ኢና ብዝብል ዝገብሮም ዘሎ ተደጋጋሚ ምድንጋራት እውን ንስልጣን ክብሃል እንተኽኢሉ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበለ ሓይሊ ንፀቢብ ድሌቱ መማልኢ ካብ ምጥቃም ናብ ድሕሪት ከምዘይምለስ ብዝግባእ ዘርኢ እዩ:: ብመራሕቲ ሰራዊት ኮነ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተጀማመሩ ነገራት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ከይድታት ካብ ልቢ ከምዘይቕበል ብኣደባባይ እናገለፀ መፂኡ እዩ::
በዚ ኣጋጣሚ ህወሓት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ቃልሲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ወድብ ዝክኣሎም ኩሉ ንምግባር ሕዚ እውን ድሉዋት ምዃኖም ምግላፅ ኣገዳሲ እዩ። ምስዝኾነ ኣካል ብዘይ ቅድመ ኩነት ንምልዛብ እውን ድሉዋት እዮም። ይኹን እምበር መንግስታዊ ስልጣን መን ይሓዝ ኣብ ዝብል ናይ ስልጣን ድልድል ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ናብ ድርድር ከምዘይቐርብ ግልፂ ክኾን ይግባእ። ኣብ ከይዲ ክህሉ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ኣብ መንጎ መሪሕነት ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፅባብን ንምፍታሕን እምበር ናይ ስልጣን ክፍፍል ንምግባር ኣይኮነን፤ ኣይሕሰብን እውን።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብን ብምስፋሕን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ዝተሓላለኸ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ደገን ዝርከብ መላእ ህዝብና እውን ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር እምነትና ሙሉእ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
01 ሕዳር 2017 ዓ.ም
መቐለ
 
 
 

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons