ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ዓመትን ቀፃሊ ኣንፈትን ስራሕቲ ዋን ዋሸ ናሸናል ፕሮግራም
ኣብ ዋሸ ናሸናል ፕሮግራም ምዕራፍ ክልተ ኣፈፃፅማ መደባት 2016 ዓ.ምን ቀፃሊ ኣንፈትን ኣድሂቡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝተኻየደ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ሓቢሩ።
ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ማይ፣ ጥዕናን ትምህርትን ዝሰራሕናዮም ፅቡቓት ስራሕቲ ተራእዮም እዮም፤ ይኹን እምበር ከም ክልል ብርክት ዝበሉ ፀገማት ኣለዉና ። ነዞም ፀገማት በዲህና በታ እንረኽባ ውሱን በጀት ብዋን ዋሽ ፕሮግራም ክንሰርሖም ዝግበአና ኣብ ምፍፃም ዝነበሩ ሕፅረታት ብምልላይ ንቐፃሊ ብዝሓሸ መልክዑ ኣገደስቲ ስራሕትና ንምፍፃም እንገብሮ ምንቅስቓስ ጥጡሕ ባይታ ክንፈጥረሉ ኣለና ክብሉ ገሊፆም ።
ኣብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ዳይሬክተር ቀረብ መስተ ማይ ኣይተ ታጠረ ሓዲስ ብግዲኦም ኣብ ቀረብ መስተ ማይን ስራሕቲ ስነ-ፅሬትን ብምዉዳድ ዝሐሸ ስራሕቲ ከም ዝተሰርሐ ሓቢሮም። ኣብ ቀረብ መስተ ማይ ሕብረተሰብ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናት ተጠቀምቲ ንምግባር መደብ 5 ዓመት ኣብ 2 ዓመት ንምጥቕላል ንፌደራል ብዝኣተናዮ ቃል መሰረት ዛጊድ 51 ሚእታዊ ብምፍፃም ብዋናነት ህዝብና ተጠቃማይ ንምግባር ከምዝተኽኣለ ይገልፁ።
ሐዚ እውን ብፌደራል ዋን ዋሽ ፕሮግራም እንተተደጊፍና ናይ ምፍፃም ዓቕምና ብምርኣይ ከም ክልል ተጠቀምቲ ንኾነሉ ዕድል ዘሎ ኮይኑ ትካላት መስተ ማይ ሓለዋን ክንክንን ክንገብር ኣለና ድሕሪ ምባል ንፌደራል ዋን ዋሽ ፕሮግራም ዘለዎም ናእዳን ምስግናን ብምግላፅ ፌደራል ዋን ዋሽ ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ተላቢዮም።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኖም ኣፈፃፅማና ብምዕባይ መደብ 5 ዓመት ኣብ 2 ዓመት ክፍፀም ምግባር ካብ ትልሙ ጀሚሩ ክነኣድ ዘለዎ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ቤት ትምህርቲ ውልቀን ከባብያዊ ፅሬትን ኣብ ህፃውንቲ ከም ባህሊ ክተሓዝ ብምግባር ምስ ፀገምና ብምውድዳር ቀልጢፍና ፈፂምና ናብ 3ይ ምዕራፍ ክንኣትዉ ኣለና ክብሉ ሓቢሮም ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ትግራይ ኣይተ ገብረኣብዝጊ ወልደሱራፌል ኣፈፃፅማና እናመሓየሽና ብዝኸድና ቁፅሪ ተወሳኺ በጀት ንረኽበሉ ዕድል ዝዓበዩ ስለዝኾነ ናህሪን ፅሬትን ስራሕትና ክንውስኽ ይግባእ ድሕሪ ምባል ኣብ “ማችንግ ፈንድ” ኣብ ምቕራብ ሕፅረት ስለዘሎ ምስ ኮሚሽን ፕላን ብምትሕብባር መማረፂ መፍትሒ ብምቕራብ በጀት ኣብ ምትእልላሽ ከምዝሰርሑ ወሲኾም ገሊፆም ።
ኣብ ፌደራል ዋን ዋሽ ፕሮግራም መተሓባበሪ ኣይተ ኣብይ ግርማ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ኣብ ኣዴታትን ህፃናትን ዉልቀን ከባብያዊን ፅሬትን ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን ዝሓሸ ኣፈፃፅማን ለዉጥን ምርኣዮም ፅቡቕ ጅማሮ ተጠናኺሩ ክቕፅል ብፍላይ ድማ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ትኹረት ክግበረሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ ስልጠና ዝተሓቖፋ ወረዳታትን ዞባታትን ተሞክሮታተን ዘቕረባ እንትኾን እቶሞ ብሉፃት ስራሕቲ ብምጥንኻር ዝተርኣዩ ሕፅረታት ድማ ብምቕራፍ ኣብ 2017 ዓ/ም ዝሐሸ ስራሕቲ ንምፍፃም እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ሓደ ምርድዳእ በፂሖም እዮም።
ኣብቲ መድረኽ ቢሮታት ማይን ኢነርጅን ፣ ትምህርቲ ፣ ፋይናንስን ፣ጥዕና ከምኡ እውን ኣመራርሓን ኪኢላታትን ኣብ ዋንዋሽ ዝተሓቖፋ ሸሞንተ ወረዳታት ኣመራርሓን ክኢላታትን ዝመፁ ልዕሊ 150 ተሳተፍቲ ተረኺቦም ከም ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ።
01 ሕዳር 2017 ዓ.ም
መቐለ

