ስራሕቲ ተሽከርከርቲ ንምዝማን ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸብን ትግራይ ኣፍሊጡ
ቢሮ መጓዓዝያን መራኸብን ትግራይ ኣብ ሕብረተሰብ ንዘጋጥም ዘሎ ፀገም ስርዓት መጓዓዝያ ንምፍታሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ዳህሳስ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዳህሳስ ቀንዲ ፀገማት ኢሉ ዘቀመጦም ሰብ ዋና ኣሽከርከርቲ ውልቀ ጥቕሚ ብምቕዳም ንሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ዘይምሃብ ፣ኣብ ማእኸላት መሰልጠኒ ኣሽከርከርቲ ዝወሃብ ሞያዊ መረጋገፂ ብቕዓት ብብላዕ ከምዝወሃብ ፣ኣብ ማእኸላት መዐደሊ ነዳዲ በቢ እዋኑ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋን ኻልኦት ፀገማትን ከምዘለው ሓላፊ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸብን ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ገሊፆም።
ንኣብ ወረዳታትን ከተማታትን ዝርከቡ ወሃብቲ ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝወሃብ ክትትልን ደገፍን ትሑት ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ታደለ ፣ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ቢሮ መጓዓዝያን መራኸብን ትግራይ ዘመኑ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ብምትእትታዉ ስርዓት መጓዓዝያ ትግራይ ንምዝማን ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕን ካብ 21 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ምትእትታው ከምዝርከብ ገሊፆም።
ትግራይ መሸጢ ግዝኤን ዝሓለፈን ተሽከርከርቲ ኾይና ኣላ ዝበሉ ኣይተ ታደለ፣ ትግራይ ናብ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንምቕያር ኩሉ ዝምልከቶ ኣካልን ሰብ ዋና ተሽከርከርትን ሓገዝቲ ክኾኑ ድማ ኣተሓሳስቦም።
ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዳይሬክተር ድሕንነት ትራፊክን ቑፅፅር ምፅራይ ሓደጋን ኮማንደር ተስፋይ ገብረመድህን ብወገኖም፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ፍሰት ትራፊክ ንምፍታሕ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዝድሊ ብምሕባር እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ድማ ዘመኑ ዝጠልቦ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ምትእትታው ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ ድረ ገፅ ቴሌቬዥን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
01 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons