እዋናዊ መግለፂ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ 12 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደናን ሓደጋታቱን ብዝርዝር ዝርኣየ እንትኾን እዚ ኩነታት በቲ ሕዚ ዘለዎ ሓደገኛ መገዲ ክቕፅል ከምዘይብሉን ህፁፅ ፍታሕ ክግበረሉ ከምዝግባእን ወሲኑ’ሎ:: ካብዚ ብምብጋስ ሙሉእ ዓቕምን ሓላፍነትን ዝወስድ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ዝያዳ ንክዋፈርን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ትልሙ ኣቕሪቡ ናብ ተግባር ንክኣቱን ወሲኑ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ዕማም ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ዘካተተ ኮይኑ ኩሎም ዓይነታት ኣብ ህዝብና ሓደጋ ዘምፅኡ ተግባራት ምሉእ ብምሉእ ደው ናይ ምባል ስልጣን ተዋሂብዎ ተጠናኺሩ ብህፁፅ ናብ ስራሕ ንክኣቱ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላውን ስርዓት ኣልቦነትን ኣመልኪቱ ብዝርዝር ዝርኣየ እዚ ካቢኔ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ምስ መላእ ህዝቡ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብያተ ምኽሪ ወረዳን ከተማን ካብ ሕገ መንግስታዊ ተልእኾአን ወፂአን ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ኣካል መሳርሒ ክኾና ኣይንፈቅድን ዝበለ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሓደ ሓደ ቤት ምኽሪ ዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።
እዘን ኣብያተ ምኽሪ ንባዕለን ኣካል መንግስት ኮይነን እናሃለዋ ሓደ ሓደ ቤት ምኽሪ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምትዕንቓፍን ግዝያዊ ምምሕዳር እግሪ ከይተክልን ኮነ ኢሉ ናይ ዝንቀሳቐስ ኣካል መሳርሒ ይኾና ከምዘለዋ ብዝርዝር ርእዩ ኣሎ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብያተ ምኽሪ ከመይ ተጠናኺረን ክቕፅላ ከምዝግባእ ውሳነ ዘዕረፈ እንትኾን ከመይ ተጠናኺረን ይቐፅላ ኣብ ዝብል ከዓ ቢሮ ፍትሒ ዝርዝር ኣሰራርሓ ንከቕርብ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
ኩነታት ምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት ግዱሳት ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዘቕረብዎ መፅናዕቲ ብዝርዝር ዘድመፀ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ንምንጋፍ ኩለመዳያዊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ ኣሎ። መፅናዕቲ ንዘቕረቡ ግዱሳት ተወለድቲ ምዕራብ ትግራይ ዘለዎ ልባዊ ናእዳ ዝገለፀ እንትኾን ብቐፃሊ እውን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ዘኽእል ኩለመዳያዊ ሓገዝ ከምዝገብር ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁሎም እዩ።
ብተወሳኺ እዉን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበሉ ተወሳኺ በጀት መርሚሩ ብምፅዳቕ ውዕልኡ ዛዚሙ ኣሎ።
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
13 ታሕሳስ 2017ዓ.ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons