ኣብ ትግራይ ዘሎ ፋይናንሳዊ ሕፅረት ንምፍታሕ ውሽጣዊ ሃፍቲታት ናብ ሓደ ማእኸል ምእካብን ብሓባር ምውፋርን የድልይ – ምክትል ፕረዚደንት ኣማኑኤል ኣሰፋ
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዘዳለዎ መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ እቶት ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፥ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ስራሕ ክስራሕ ዝግባእ’ኳ እንተነበረ ብኣንፃሩ ካሊእ መልክዕ ዘለዎ ፅንተት ይፍፀም ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
ትግራይ ንምድቃቕን ንምብታንን ብምዕላም ዝተመደበ በጀት ምዕፃው፣ ነዳዲ ምኽልካል፣ ሒሳብ ትካላት ምዕፃውን ካልኦት ጎዳእቲ ተግባራትን ብምፍፃም ኣብ ትግራይ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍጣር ይስራሕ ምህላዉ እውን ኣገንዚቦም።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይፍፀሙ ዘለዉ ሽርሒታት ቁጠባ ንምፍሻል ኣብ ዓርሰ ምርኰሳ ኣድሂብካ ብምንቅስቓስ ዘጋጠመ ፀገም ምስጋር ከም ዘድልይ እቶም ምክትል ፕረዚደንት ኣረዲኦም።
ዘጋጠመ ሕፅረት ፋይናንስ ዝፍታሕ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሃፍቲታት ብፍትሓውን ሕጋውን መገዲ ናብ ሓደ ማእኸል ብምእካብ፣ ሓባራዊ ትልሚ ብምውፃእን ብምውፋርን ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
እቲ ፀገም፥ ተፀሚምካ ስራሕትታት ብምድማዕ እዩ ዝፍታሕ ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል፥ ትግራይ ንምስጋር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ልዑል ርብርብ ክግበር ፀዊዖም።
ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍቲን ዶር. ምሕረት በየነ ብግዲአን፥ ከቢድ ክፍተት በጀት ምግጣሙን ንትግራይ ብኢኮኖሚ ንምውቃዕ ይስራሕ ከምዘሎን ብምጥቃስ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእሉ እቶት ዝእከበሎም መስርሓት ከም ዝተዳለዉን ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ተሳትፎ ክገብሩን ተላብየን።
ኣብቲ መድረኽ፥ ኣመራርሓ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ወከልቲ ትካላት ፋይናንስ፣ ከንቲባታትን ኣፈ ጉባኤታትን ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመራርሓ ንግዲ ቻምበርን እናተሳተፉ እዮም ክብል ትግራይ ቲቪ ፀብፂቡ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
05 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
መቐለ

