ክብርታት ለካቲት ዓቂብና ሰለማውን ፖለቲካውን ቃልስና ነሐይል!
ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ብመቑሕ ገዛእቲ ተቐይዱ ብሄራውን ደርባውን ዕብለላን ጭቆናን ይበፅሖ ነይሩ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተዳዕኒኑ ዝነበረ ኩለመዳያዊ ወፅዓ ንምቕንጣጥ ዓሊሞም ውሑዳት ርሑቕ ኣመትቲ ደቂ ትግራይ ቅድሚ 51 ዓመት ማለት እውን ብ1967 ዓ/ም ኣብዛ ታሪኻዊትን ወርቃዊትን ዕለት 11 ለካቲት ናብ በረኻ ደደቢት ብምውፃእ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጅማሮም ዘበስር ሽግ ሓርነት ወሊዖም፡፡
ህዝባዊ ዕላማ ዝተሓንገጡ ውሱናት ተጋደልቲ ትግራይ ፅባሕ ኣእላፍ ከምዝኾኑ ካብ ልቢ ብምእማን ንዘጋጥምዎም ፀገማትን ማሕለኻታትን ብመስተንክራዊ ፅንዓት እናሰገሩን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኖም እናዕሰሉን ፤ ብበዝሒ ሰራዊቱን ዕጥቁን ካብ ኣፍሪካ ኣብ ቅደሚት ምስ ዝስራዕ ግዙፍ ሓይሊ ፀላኢ ገጢሞም መጉዳእትን ክቡር መስዋእትነትን ከፊሎም ንፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ሓምሺሾም ዓወት ዓቲሮም።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተወደበ ቃልሲ ጀሚሩ ኣብ ከይዲ ንዝገጠሙዎ ማእለያ ዘይብሎም ፈተናታት ብልኡም ፅንዓትን ብልሓትን እናሰገረ፣ ዕላማታቱ ንህዝቢ እናስረፀን ምልኣተ-ህዝቢ ኣብ ጎኑ እናዕሰለን 11 ለካቲት ዝተወልዐ ቃልሲ ብዓወት ንክኽምበት መሪሕ ግደ ኣበርኪቱ።
ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ነፂልካ ምርኣይ ዓለም ንዝመስከረሉ ግሁድ ሓቂ ዋጋ ካብ ዘይምሃብ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን ክህልዎ እውን ኣይኽእልን።
ስለዚ 11 ለካቲት ኣካል ድሙቕ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነት ኩሉ ትግራዋይ ከዘንትዋን ከብዕላን ይግባእ።
ዝኾነ ይኹን ሓሳባውን ፖለቲካውን እምነት ኣፈላላይ ዋላ ይሃሉ ኣብ ዙርያ ፅምብል 11 ለካቲት ግን ሓበራዊ ኩርዓትን ክብርን ክስመዐና ኣለዎ። እቲ ምንታይ ‘ሲ ናይ ሓሳብን ፖለቲካን ኣፈላላይ ምህላዉ ውፅኢት ፍረ ቃልሲ ለካቲት ምዃኑ ክዝንጋዕ ስለዘይብሉ።
ን11 ለካቲት ግቡእ ክብሪ ዘይምሃብ ኮነ ብሽም 11 ለካቲት ጉድለታትካን ድኽመታትካን ክትሽፍን ምፍታን ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥኑን ዘይጠቕሙን ስለዝኾኑ ነዚኦምን ከምዚኦምን ዝበሉ ምልከታታት ብምእራም ንታሪኽናን ክብርናን ብዝምጥን መልክዑ ክነኽብሮ ይግባእ።
ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶ መሪር ተጋድሎን ብዝኸፈሎ መስዋእትን ዘብዒ ድሕረትን ድኽነትን ንዝነበረ ስርዓት ደርግ ብምውጋድ ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝርአ ዝነበረ ሌላን ጉሌላን ክመዓራረ ክኢሉ።
ኣብዛ ሃገር ሰላም ፣ ልምዓት፣ ማዕርነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንክረጋገፅ፣ ስርዓት ዴሞክራሲ ክህነፅን ሰናይ ምምሕዳር ክዓስልን ህዝቢ ትግራይ ኣሸሓት ርሑቕ ኣመትቲ መላምል ደቁ ከፊሉ እዩ፡፡
ይኹን’ምበር ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመታት ንነዘ ነቲ ብቃልስና ዝረኸብናዮ ሰላም ክዝረግን ፌደራላዊ ስርዓትና ድማ ኣብ ሓደጋ ክወድቅን ኪኢሉ እዩ፡፡
ልፍንታውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ተጋሩን ብዝፈፀሙዎ ቕሉዕ ወራርን ዘርኢ ምፅናትን ኣብ ዝለዓለ ብራኸ በፂሑ ዝነበረ ጉዕዞ ምዕባለ ክኹለፍን ንድሕሪት ክኽበስን ክኢሉ።
ህዝቢ ትግራይ ግን በቢ መዋእሉ ንዘጋጥሙዎ ፀገማትን ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኵናትን ሳላ መሪር ተጋድሎን ክቡር መስዋእትነቱን ካብ ፅንተት ወፂኡ ናብ ሰላማዊን ፖለቲካዊን ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ዝተሰጋገረሉን፣ ብኻልእ ገፅ ድማ ንህዝባዊ መኸተ መበገሲ ዝኾኑ ዕላማታትና መሊኦም ኣብ ዘይተመለሱሉ ግዜ ኮይንና ኢና መበል 51 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ዝተወደበ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነኽብር ዘለና።
”ብሄራዊ ሓድነትና ንምውሓስ መሰል ርእሰ ውሳነና ! ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ነኽብሮ ዘለና መበል 51 ዓመት ዝኽሪ 11 ለካቲት ኣብዚ እዋን የጋጥሙና ዘለዉ ዝተሓላለኹ ፈተናታት እናመከትና መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ግቡእ ግብረ መልሲ ንክረኽቡ ሕዚ’ውን ከምቲ ናይ ትማሊ ሓድነትና ኣስጢምና ብምርብራብ ኣብ ልዕለና ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን በደልን ወፅዓን ዘይንቕበል ምዃንና ብሽም 11 ለካቲት ነረጋግፅ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቲናዮ ዘለና ሓዱሽ ምዕራፍ ቃልሲ ብውነ ተረዲእና ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምውሓስ፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወፅኡ ምግባር፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስ ፣ ብሓፈሻ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ መንገዲ ንኽትግበርን ሕገ መንግስታዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስን ግደ ኩሎም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩ ዕዙዝ ስለዝኾነ ሓፂናዊ ሓድነትናን ናህሪ ቃልስናን ብምዕቃብ ኣቲናዮ ዘለና ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ንምዕዋት ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ቃል ኪዳንና ክነሐድስ ይግባእ፡፡
”ብሄራዊ ሓድነትና ንምውሓስ መሰል ርእሰ ውሳነና ! ”
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ
10 ለካቲት 2018 ዓ/ም
መቐለ

