ኣብዚ ዓመት ካብ ሃፍቲ መዓድን 4 ቢልዮን ብር ንምርካብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ መዓድን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ቢሮ መሬት ትግራይ የካየዶ ኣብ ዘሎ ገምጋም ፍርቂ ዓመት ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ መዓድን ትግራይ ወ/ሮ ብርኽቲ ገ/መድህን፣ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሃፍቲ መዓድን ብዝግባእ ንምምራሕ ቢሮ መዓድን ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ ገሊፀን።
እቲ ቢሮ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ናይ ባዕሉ መሓውርን ኣወዳድባን የመዓራሪ ከም ዘሎን ኣብ መዓድን ዘለው ፀገማት ብምፍታሕ ዝሐሸ ቁጠባዊ ረብሓ ንምርካብ ከምዝስራሕን ኣረጋጊፀን።
ብብርኪ ዳይሬክቶሬት ምስ መሬት ተሓዊሱ ይምራሕ ዝነበረ ሃፍቲ መዓድን ትግራይ ዛጊድ እቲ ሃፍቲ ብኣግባቡ ኣመሓዲሩ ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ከውዕል ዝኽእል መሓውር ከምዘይነበሮ ዘዘራረብናዮም ስብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፆም ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መሬትን መዓድንን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣይተ ተኽለማርያም ኪዳነን መተሓባበሪ መዓድን ወረዳ ራማ ዓዲ 4 ኣይተ ሰለሙን ገ/ሚካኤልን ብወገኖም ወረዳና ብሃፍቲ መዓድን ዝሐሸ ፀጋ ዘለዎ ከም ምዃኑ ኣብ መዓድን ዝረኣዩ ፀገማት ካብ ሱሮም ንምድራቕ ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ ስራሕቲ ንውግን ኣለና ኢሎም።
ጉዳይ መዓድን ናይኩሉ ሃፍቲ ስለ ዝኾነ ስራሕቱ ኣብ ምፅፋፍን ኣብ ዘጋጥሙ ጉድለታት ተሓታትነት ንምርግጋፅን ምስ ካልኦት መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ይሰርሑ ምህላዎም እውን ገሊፆም።
ኣብቲ ዓውቲ ዝረኣዩ ናይ ኣሰራርሓ ግድፈታት ኣብ መዓድን ምስ ዝነጥፋ ማሕበራትን ሰብሃፍትን ተቐራሪብና ብምርድዳእ ዝጀመርናዮም ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ክንቕፅል ኢና እውን ኢሎም።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
03 ለካቲት 2018 ዓ/ም
መቐለ

