ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ሙስሊም ብሰንኪ ሕጃብ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተኣጓጓላ ኣይግባእን። ከም መንግስቲ ድማ ቁዋምና ፍሉጥ እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ
ተወከልቲ እምነት እስልምና ተቐቢሎም ዘዘራረቡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ እዚ ጉዳይ ናብዚ ደረጃ ምብፅሑ ዘሕዝን እዩ ኢሎም። ብሰንኪ ሕጃብ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተኣጓጓላ ኣይግባእን። ከም መንግስቲ ድማ ቁዋምና ፍሉጥ እዩ ኢሎም።
ማሕበረሰብ ሙስሊም ዘለኩም ሕቶ ሰላማውን ስርዓቱ ዝሓለወን ብምዃኑ ድማ ክብሪ ይግበአኩም ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ። ከም ፀብፃብ ድምፂ ወያነ ትግራይ
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝፀውዖ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ይፍለጥ ።
13 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም
መቐለ

By admin

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons